ሱዳን፣ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ተዛዚሙ

ሱዳን፣ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ተዛዚሙ

Radio Erena: 04 December 2017

Eastern Africa force

ኣብ ዞባ ምብራቕ ሱዳን ከባቢ ፖርት ሱዳን ክካየድ ዝጸንሐት ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ 10 ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ትማሊ ሰንበት 3 ታሕሳስ ተዛዚሙ።

ኣብቲ ብዘይካ ካብ ኤርትራ፣ ካብ ኩለን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ካልኦት ሽዱሽተ ሃገራት ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃን ዝተዋጽአ ሰራዊት ብሓባር ዘካየዶ ልምምድ፣ ኣብ ምጥቃዕን ምክልኻልን፣ ግብረ መልሲ ህጹጽ ቶኽሲን ካልእን ዘተኮረ ስልጠና ተዋሂቡ።

እቲ ብድሉው ሓይሊ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝፍለጥ ኣስታት ሓደ ሽሕ ወትሃደራት ዝሓቖፈ ሰራዊት፣ ብ20 ሕዳር’ዩ ልምምድ ጀሚሩ።

ዕላማ እቲ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከጋጥም ንዝኽእል ኩነታት ህጹጽ ምላሽ ንምሃብ ዝህልዎ ዓቕሚ ንምፍታሽ ምዃኑ ኣቐዲሙ ተሓቢሩ’ዩ።

ኣብዚ ኣብ ከባቢ ፖርስት ሱዳን ዝተሓየደ ናይ 12 መዓልታት ጽዑቕ ወትሃደራዊ ልምምድ ሱዳን፣ ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲ፣ ሶማልያ፣ ኡጋንዳ፣ ኬንያ፣ ሩዋንዳ፣ ብሩንዲ፣ ሲሸልስን ኮሞሮስን ክሳተፋ እንከለዋ፣ ኣመሪካ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ቻይናን ከኣ ከም ተዓዘብቲ ተረኺበን ኔረን።
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0