ሱዳን፣ ልዕሊ 4 ሽሕ ወትሃደራታ ኣብ የመን ተቐቲሎም ንዝብል ሓበሬታ ነጺጋቶ

Radio Erena: 05 November 2019

ሱዳን፣ ኣብ የመን ተዋፊሩ ካብ ዘሎ ሰራዊታ፣ ልዕሊ 4 ሽሕ ወትሃደራት ተቐቲሎም ንዝብል ሓበሬታ ነጺጋቶ።

ኣፈኛ ሰራዊት ሱዳን ብርጋደር ጀነራል ዓምር ኣል ሓሰን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ሑቲ ዝሃቦ ሓበሬታ ሓቅነት የብሉን ድሕሪ ምባል፣ ኣብ የመን ተዋፊሩ ዝርከብ ሰራዊት ሱዳን ከምዘይስሕብ ኣፍሊጡ።

ሰራዊት ሱዳን ኣብ ኩሉ ግንባር የመን ተዋፊሩ ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ ኣፈንኛ፣ ብልክዕ ዝርከበሉ ከባቢታት ግና ከምዘይጠቅስ ገሊጹ።

ኣቐዲሙ፣ ኣፈኛ ሰራዊት ሑቲ፣ ብርጋደር ጀነራል ያሕያ ሳረ፣ ብቀዳም 2 ሕዳር፣ ካብ ሰንዓ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ኣብ የመን ተዋፊር ካብ ዝርከብ ሰራዊት ሱዳን፣ ብሰንኪ ሞትን መቁሰልትን ኣስታት 8 ሽሕ ወትሃደራት ካብ ጠቕሚ ወጻኢ ከምዝኾኑ ብምጥቃስ እቶም 4200 ዝሞቱ ምዃኖም’ዩ ጠቒሱ።

ኣብ የመን፣ ኣስታት 10 ሽሕ ወትሃደራት ሱዳን ተዋፊሮም ከምዘለው ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሰራዊት ብዝበጽሐ ከቢድ ክሳራታት፣ ሱዳን ሰራዊታ ክትስሕ መደብ ከምዘለዋ ክጥቀስ ጸኒሑ’ዩ።

ሱዳን ኣምሳያ ናይቲ ናብ የመን ዘዋፈረቶ ብዝሒ ሰራዊት፣ ካብ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ይምጠወላ ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የረድኡ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0