ሱዳን፣ ላዕለዋይ ልኡኽ ቀጠር ምብጻሕ ፈጺሙ

ሱዳን፣ ላዕለዋይ ልኡኽ ቀጠር ምብጻሕ ፈጺሙ

Radio Erena: 27 March 2018

sudan qatar

ብሚኒስተር መጓዓዝያን መራኸቢታትን ጃስም ቢን ሰይፍ ሲላይቲ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ቀጠር፣ ብሰንበት 25 መጋቢት ኣብ ሱዳን ወግዓዊ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሓቢሩ።

እቲ ሚኒስተር ካብ ኣሚር ቀጠር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣልታኒ ዝተላእከ ደብዳቤ ንፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣረኪቡ።

ንሱ ምስ ፕረዚደንት በሽርን ሚኒስተር መጓዓዝያ ሱዳን ማካዊ መሓመድ ኣል ዓዋድን ዝርከብዎም ሰበ ስልጣን ሱዳን ድሕሪ ምዝርራብ፣ ኣብ መንጎ’ዘን ክልተ ሃገራት ክካየድ ተመዲቡ ብዛዕባ ዘሎ ምትሕግጋዝ ብሰፊሑ ተመያይጡ።

 ብዘይካ’ዚ’ውን ምስ ቀጠር ንወደብ ሱዋኪን ንምሕዳስ ብዛዕባ ዘሎ ተኽእሎታት ተዘራሪቦም።

ሚኒስተር መጓዓዝያ ቀጠር ኣብ መወዳእታ፣ ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ወርሓት፣ ዝተፈላለየ ነገራት ዝጸዓና ሸውዓተ መራኽብ ካብ ወደብ ሓማድ ናይ ቀጠር ተበጊሰን ናብ ወደብ ፖርት ሱዳን ክኣትዋ ምዃነን ኣፍሊጡ።

እተን መራኽብ ናብ ሱዳን ዘራግፎኦ ነገራት ኣካል ናይቲ ኣብ መንጎ ሱዳንን ቀጠርን ዝተበጽሐ ስምምዕ ናይ ኣስታት 4 ቢልዮን ዶላር ፕሮጀክት’ዩ።

ኣሚር ቀጠር ላዕለዋይ ልኡኽ ናብ ሱዳን ዝሰድድ ዘሎ፣ መንግስቲ ኤርትራ ቀጠርን ሱዳንን ብምዃን ኣንጻር ኤርትራ ሽርሕታት ይኣልማ ኣለዋ ክብል ኣብ ዝወቕሰሉ ዘሎ ኣጋጣሚ’ዩ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0