ሱዳን፡ ኣብ ዳርፉር ኣብ ዝተጎሃሃረ ግጭት ብውሕዱ 40 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 07 April 2021

ኣብ ሱዳን፡ ዞባ ሞዕራብ ዳርፉር፡ ኤል ጀነይና ኣብ ዝተባህለ ከተማ ብዝተጎሃሃረ ቀቢላዊ ግጭት ብውሕዱ 40 ሰባት ተቐቲሎም።

ወኪል ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰኑይ 05 ሚያዝያ ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፡ በቲ ግጭት 60 ሰባት ቆሲሎም።

ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ካብ ዳርፉር ካብ ዝወጽእ፡ ከምዚ ዓይነት ቀቢላዊ ግጭት ክኽሰት እዚ ካልኣይ’ዩ፡

እቲ ግጭት፤ ኣብ መንጎ ናይ ዓረብ መበቆል ዘለዎም ቀቢላ ሪዘጋትን ጸለምቲ ደቀባት ናይቲ ከባቢ ዝኾኑ ዓሌት ማሳሊትን ‘ዩ ተኻይዱ።

ናይ ዓረብ መበቆል ዘለዎም ቀቢላ፡ ብቀዳም 03 ሚያዝያ ንክልተ ካብ ዓሌት ማሳሊት ተኩሶም ድሕሪ ምቕታሎም፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ቀቢላታት ወጥሪ ተኸሲቱ’ዩ ጸኒሑ፡

ክልቲኦም ወገናት ምድላዋት ከካይዱ ድሕሪ ምጽናሕ ድማ ናብ ሰኑይ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ናብ ግጭት ኣትዮም፡

ኣብዚ እዋንዚ እቲ ግጭት ሃዲኡ እኳ እንተሎ፡ ኣብታ ከተማ ወጥሪ ሰፊኑ ይርከብ።

መንግስቲ ሱዳን፡ ተወሳኺ ግጭት ከይክሰት ካብ ምስጋእ፡ ሓይልታቱ ናብታ ከተማ ኣዋፊሩ ኣሎ።

ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ፡ ኣብታ ከተማ ብዝተጎሃሃረ ተመሳሳሊ ግጭት፡ አስታት 130 ሰባት ተቐቲሎምዮም።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0