ሱዳንን ግብጺን ወትሃደራዊ ምትሕግጋዘን ንምዕባይ ዘኽእለን ዘተ ኣካይደን

Radio Erena: 24 March 2022

ሱዳንን ግብጺን፣ ዝጸንሐን ወትሃደራውያን ጸጥታውን ምትሕግጋዝ ንምዕባይ ዝዓለመ ዘተ ላዕለወት ኣዘዝቲ ሰራዊት ተኻይዱ።

ኣል ሞኒተር ኣብ ዘቕረቦ ሓበሬታ፣ ጠቕላሊ ሓቓል ስታፍ ሰራዊት፣ ልዩተናንት ጀነራል መሓመድ ዖትማን ኣል ሑሰን ዝመርሖ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ሱዳን፣ ብ16 መጋቢት ናብ ግብጺ ኣብ ዘካየዶ ዑደት፣ ብግብጻዊ ልዩተናንት ጀነራል ዑስማን ዓስከር ምስ ዝምራሕ ግብጻዊ መዘንዩ ተራኺቡ።

ላዕለዎት ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣን ሱዳንን ግብጽን ኣብ ርክቦም፣ ኣብ ሓባራዊ ልምምድን ካልእ ምትሕግጋዝን ዘተኮረ ነጥብታት ከምዝተመያየጡ እቲ ማዕከን ዜና ገሊጹ።

እቲ ‘ሻሙናይ ርክብ ወትሃደራዊ ኮሚተ ሱዳንን ግብጽን’ ዝተሰምየ ዘተ ዝተኻየደ፣ ስሉሳዊ ዝርርብ ግብጺ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ናይል ናብ ዕጹው ማዕጾ በጺሑ ከምዘሎ ኣብ ዝንገለኡ ዘሎ እዋን’ዩ ተኣንጊዱ።

ሱዳንን ግብጺን ካብ 2019 ንደሓር ጥራይ ብውሕዱ ሰለስተ እዋን ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ኣካይደን’የን።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0