ሱዳንን ቀጠርን ኣብ ትግባረ ምስፋሕ ወደብ ስዋኪን ዘትየን

ሱዳንን ቀጠርን ኣብ ትግባረ ምስፋሕ ወደብ ስዋኪን ዘትየን

Radio Erena: 16 May 2018

Bashir Tamim

ሱዳንን ቀጠርን ኣብ ትግባረ ናይቲ ድሮ ክህነጽ ጀሚሩ ዘሎ ምስፋሕ ወደብ ስዋኪን ከምዝዘተያ ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።

ሚኒስተር መጓዓዝያ ሱዳን ማካዊ መሓመድ ዓዋድ ምስ ቀጠራዊ መዘንኡ ጃሲም ሳይፍ፣ ኣሕመድ ኣል ሱልጣን፣ ብ14 ግንቦት ኣብ ኣዶሓ ኣብ ዝተራኸብሉ’ዮም ብዛዕባ’ቲ ደረጃ ብደረጃ ክትግበር ተወጢኑ ዘሎ ምስፋሕ ወደብ ስዋኪን ተዘራሪቦም።

ቀጠር ነዚ ንስዋኪን ናይ ሱዳን፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ወደን ንምግባሩ 4 ቢልዮን ዶላር’ያ ሰሊዓ ዘላ።

ኣብ 2020 ክዛዘም ትጽቢት ዝግበረሉ ወደብ ስዋኪን፣ 51 ሚእታዊት ብመንግስቲ ሱዳን; 49 ሚእታዊት ከኣ ብቀጠር ክውነን’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ኣሚር ቀጠር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣል ታኒ ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ዘተኮረ መልእኽቲ ዝሓቖፈ ደብዳቤ ናብ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣል በሽር ልኢኹ።

ነቲ ደብዳቤ ብ13 ግንቦት ናብ ፕረዚደንት ሱዳን ዘረከበ፣ ኣምባሳደር ቀጠር ኣብ ሱዳን ‘ዩ።

ኣሚር ቀጠር ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ናብ ፕረዚደንት ሱዳን ደብዳቤ ክልእኽ እዚ ንሳልሳይ ኣኑ’ዩ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0