ሱዳንን ቀጠርን፣ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ኣካይደን

Radio Erena: 09 December 2019

ቀጠርን ሱዳንን፣ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ምክያደን ሚኒስትሪ ምክልኻል ቀጠር ኣፍሊጡ።

እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝተኻየደ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ክልትኤን ሃገራት፣ ብዝሒ ዝተሳተፉ ወትሃደራትን ዓይነት ኣጽዋርን ብዝርዝር እኳ እንተዘይተገልጸ፣ ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ምትእምማንን ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝን ንምፍጣር ዝዓለም ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኣብ መዛዘሚ’ቲ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ሰበ ስልጣን ቀጠርን ሱዳንን ተረኽቦም ኔሮም።

ቀጠር ከም መርኣያ ዕግበታ፣ ኣብቲ ምብራቕ ሱዳን፣ ከባቢ ሲንካት፣ ሕክምናዊ ማእከል መጽረዪ ኵሊት ክትሃጽ ምዃና ኣብቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ።

ቀጠር ምስ ሱዳን ዘለዋ ዝምድና ሓድሽ ከምዘይኮነ ዝሓበረ ኣማሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ሱዳን፣ ሜጀር ጀነራል ሓፊዝ ኤል ታጅ፣ ብዙሓት ሃገራት ንሱዳን ኣብ ዝጠለማሉ እዋን፣ ቀጠር ግና ኣብ ጎኒ ህዝቢ ሱዳን ምጽንሓ ኣረጋጊጹ።

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ሱዳን ምስ ቀጠር ዘለዋ ዝምድና ክትበትኽ ኣብ እዋን ስርዓት በሺር ጸቕጢ ይገብራ ምንባረን ዝዝከር’ዩ።

ይኹን’ምበር ስርዓት በሺር ኣብ ምንጎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዘሎ ምክፍፋል፣ ዘይሻራዊ መርገጺ’ዩ ጸኒሕዎ።

ካብ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ኣስታት 3 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ መብጽዓ ተኣትዩሉ ዘሎ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን’ውን ዝምድንኡ ምስ ቀጠር ንምብታሕ ድፍኢት ይካየደሉ ከምዘሎ ተንተንቲ ይእምቱ።

እንተኾነ፣ እቲ ሓድሽ ዝቖመ መሰጋገሪ መንግስቲ’ውን፣ ኣብ ጉዳይ ዝምድና ምስ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ካብ ናይ ስርዓት በሺር ዝፍለ ፖሊሲ ከምዘይህልዎ፣ ኣካይድኡ እናነጸሮ ይመጽእ ኣሎ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0