ሰበስልጣን ክልል ትግራይ፤ ሓድሽ ግዚያዊ መንግስቲ ንምቛም፤ ምድላዋት ወዲኦም

Radio Erena: 27 February 2023

ሰበስልጣን ክልል ትግራይ፤ ሓድሽ ግዚያዊ መንግስቲ ንምቛም፤ ምድላዋት ወዲኦም ከምዘለዉ ማዕከን ዜና ዘ ሪፖርተር ካብታ ሃገር ሓቢሩ።

እቲ ዝቐውም ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ፤ኣባላት ህወሓት፤ ኣብ ስልጣን ዘሎ ብልጽግና ፓርቲን፤ተቓወምቲ ውድባት ትግራይን ዘጠቓለለ ምዃኑ፤ እቲ ማዕከን ዜና ብተወሳኺ ኣመልኪቱ።

ሰበስልጣን’ቲ ክልል ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ፤ ‘ብወገንና ዘዳለናዮ እማመ ወዲእና ናብ ፈደራል መንግስቲ ኣመሓላሊፍና ኣሎና፤ እንተኾነ ግና ምላሽ ኣይረኸብናን’፤ ብምባል፤ ብኩሎም ወገናት ዝተወከለ ምቛም ግዚያዊ መንግስቲ ኣካል ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ምንባሩ ኣዘኻኺሮም።

ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ፤’ፈደራላዊ መንግስቲ ከይተሰማመዐ፤ ወላሓንቲ ክግበር ኣይከኣልን’ዩ’ ብምባል ኣብቲ ቀሪቡ ዘሎ እማመ ክዛተዩ ተዳልዮም ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ኣብ ዝህቡዎ ዘለዉ ርእይቶ፤ ህወሓት ናይ ክልላዊ መንግስቲ ፕረዚደንትነት ክርከብ፤ ምኽትሉ ግና ካብ ሰልፊ ብልጽግና ወይ ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ ክኸውን፤ ንክትዕ ከቕርብዎ ምዃኖም ይእምቱ።

ህወሓት በይናዊ ውሳነ ይወስድ ኣሎ’ ብምባል ድሮ ዘይዕጋበቶም ዘስምዑ ዘለዉ ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ፤ ኣብ መስርሕ ምምስራት ግዚያዊ መንግስቲ’ውን፤ ተነጺሎም ከምዘለዉ ይገልጹ።

ኣብዚ ፈደራላዊ መንግስቲን ሓይልታት ትግራይን ክዛተዩሉ ትጽቢት ዝግበረሉ ኣኼባ፤ ከባቢታት ወልቃይት ሓደ ካብ ነጥብታት መዛተዪ ክኸውን ከምዝኽእል፤ ኣመታት ኣሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፤ ወከልቲ ህዝቢ ናብ ባይቶ ተጸምቢሮም ስሩዕ ስርሖም ንምጅማር፤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፤ ንህወሓት ካብ መዝገብ ሽበራ ክወጽእ ድምጺ ናይ ምሃብ ውሳነ ከመሓላልፍ ትጽቢት ይግበረሉ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0