‘ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ጠቕሊሉ ኣይወጸን።’ ኣመሪካ

Radio Erena: 30 January 2023

ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ጠቕሊሉ ከምዘይወጸ፣ ላዕለወይቲ በዓልቲ ስልጣን ኣመሪካ ወቒሳ።

ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ፣ ነዚ ወቐሳ ዘቕረበት፣ ኣብ ኬንያ፣ ኣብ ዘካየደቶ ወግዓዊ ምብጻሕ ንምዝዛም፣ ካብ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ምዃኑ ሮይተርስ ብ29 ጥሪ ሓቢሩ።

ሰራዊት ኤርትራ ካብ ሓያሎ ከባቢታት ትግራይ ክስሕብ ከምዝጸንሐ ዝጠቐሰት እታ ላዕለወይ በዓል ስልጣን ምምሕዳር ባይደን፣ እቲ ዝተረፈ’ውን ጠቕሊሉ ክወጽእ ኣመሪካ ምሕታታት ኣነጺራ።

ሰራዊት ኤርትራ፣ ካብ ትግራይ ጠቕሊሉ ከምዘይወጸ፣ ራድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ምንጭታት ካብ ኤርትራ ምርግጋጾም ኣቐዲሙ ተሓቢሩ’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ከምዝወጸ፣ ብደረቐን ተንቀሳቐስን ኣሳእል ዝተሰነየ ሓበሬታ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ይጋዋሕ እኳ እንተሎ፣ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ይኹኑ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃብሉን።

ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከቡ ምንጭታት ንራድዮ ኤረና ብዝሃብዎ ሓበሬታ መሰረት፣ ኣብ ትግራይ ዝጸንሓ ኣሃዱታት ገሊኤን ተሳሒበን ብሓደስቲ ክትክኣ እንከለዋ፣ ገሊኤን ድማ ናይ ቦታ ምቕይያር የካይዳ ምህላወን ኣመልኪቶም።

እቲ ሰራዊት፣ ኣብ ሰሜን ትግራይ ካብ ዝርከባ ዓበይቲ ከተማታት ዝነበሮ ብዝሒ ብምንካይ፣ ኣብ ዶባት ናብ ዝርከባ ዓድታት ክስሕብ ምጽንሑ ይፍለጥ።
==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0