ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብምስላፍ፣ ምስ ሱዳን ኣብ ዘሰሓሕብ ከባቢታት ዶባ ተዋፊሩ ከምዘሎ ተሓቢሩ

Radio Erena: 26 March 2021
ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብምስላፍ፣ ምስ ሱዳን ኣብ ዘሰሓሕብ ዘሎ ከባቢታት ዶብ ተዋፊሩ ከምዘሎ ንጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ብምጥቓስ ማዕከን ዜና ብሉምበርግ ሓቢሩ።
ብመሰረት እቲ ዝቐረበ ጸብጻብ፣ ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ዞባ ኣልፋሽጋ ኣብ ዝርከብ ባርካት ዝተባህለ ከባቢ’ዩ ተዋፊሩ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ፣ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፣ ነቲ ዝቐረበ ጸብጻብ፣ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኤርትራን ነቓዕ ንምፍጣር፣ ኮነ ተባሂሉ ዝተዳለወ’ዩ ክብል ብመንገዲ ትዊተር ነጺግዎ።
ሰራዊት ሱዳን፣ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ንባርካት ንምቑጽጻር መጥቃዕቲ ከካይድ ምዃኑ ገሊጹ’ዩ።
ኣብ ባርካት፣ ብከቢድ ብረታት ዝተሰነየ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዓሪዱ ከም ዘሎ ብወገን ሱዳን እኳ እንተተሓበረ፣ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብምስላፍ፣ ኣብቲ ከባቢ ምውፋሩ ካብ ወገኑ ሱዳን ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የለን።
ይኹን’ምበር ሓደ ሓደ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ፖለቲካውና ሓለፍቲን ሱዳን ክህብዎ ኣብ ዝጸንሑ መግለጺታት፣ ሰራዊት ኤርትራ ናብቲ ምስ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሰሓሕብ ከባቢታት ይጓረት ምህላዉ ኣመልኪቶም’ዮም።
ኣብ ኵናት ትግራይ ተሸሚሙ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ ሱዳን ንዝተፈወነሉ መጥቓዕቲ ክከላኸል ብዘይምኽእሉ፣ ሰራዊቱ ካብ ሰፊሕ ክፋላት ድሕሪ ምስሓቡን፣ ሓገዝ ሰራዊት ኤርትራ ሓቱቱ ክኸውን ከምዝኽእል’ውን ዝተፈላለዩ ወገናት ትንታነታቶም ክህቡ ጸኒሖም።
ንክልል ትግራይ ክቖጻጸርን፣ ዶባት ክሕሉን ዓቕሚ ስእኑ ከምዘሎ ዝንገረሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንሓደ ሉኣላዊ ክልል፣ ንሰራዊት መንግስቲ ጎረቤት ሃገር ኣሕሊፊ ምሃቡ’ውን፣ ብዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር ይንቀፍ ኣሎ።
===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0