ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ኣኽሱም ጃምላዊ ህልቂት ሰለማዊ ህዝቢ ፈጺሙ፣ ክብል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ገሊጹ

Radio Erena: 25 March 2021

ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020፣ ናብ ትግራይ ከተማ ኣኽሱም ኣብ ዝኣተወሉ፣ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰባት ጃምላዊ ህልቂት ፈጺሙ ክብል፣ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፣ ብረቡዕ 24 መጋቢት ኣብ ዘቕረቦ ቀዳማይ ጸብጻብ ኣረጋጊጹ።

እቲ ኮሚሽን፣ ንነበርቲ እታ ከተማ ብምዝርራብ ካብ ዝኣከቦ ሓበሬታ፣ ወትሃደራት ኤርትራ፣ ኣብ ኣኽሱም፣ ገዛ ገዛ እናፈተሹ ንዝኣከብዎም ልዕሊ 100 ዝኾኑ ደቂተባዕትዮ፣ ብፍላይ ድማ መንእሰያት ረሺኖም ክብል ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

እቲ ሰራዊት፣ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ፈጺምዎ ንዝበሎ ጃምላዊ ቅትለት፣ ብገበናት ኵናት ዘኽስስ ክኸውን ከምዝኽእል’ውን ኣተንቢሁ።

ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ጃምላዊ ህልቂት ዝፈጸመሉ ምኽንያት ክፍለጥ እኳ እንተዘይተኻእለ፣ ካብ ዕጡቓት ድሕሪ ዝተፈነወሉ ቶኽሲ፣ ከም ግብረ መልሲን ሕነ ምፍዳይን ክኸውን ከምዝኽእል ግን እቲ ኮሚሽን ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ ኣተንቢሁ።

ኣብ ኣኽሱም፣ ብዘይካ ደቂተባዕትዮ መንእሰያት፣ ኣዴታትን ቆልዑን’ውን ከምዝተቐትሉ ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ፣ ኣብ ልዕሊ ትካላት ሃይማኖት ድማ ዕንወት በጺሑ ከምዘሎ ኣነጺሩ።

ኣቐዲሙ፣ ኣምነስት ኢንተርናሽል ዝርከቦም ኣህጉራውያን ትካላት ተጣበቕቲ መሰላት፣ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኣኽሱም ጃምላዊ ህልቂት ከምዝፈጸመ’ዮም ወቒሶም።

እንተኾነ፣ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ወቐሳታት ነጺጎሞ’ዮም።

ይኹን’ምበር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፣ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኣኽሱም ጃምላዊ ህልቂት ከምዝፈጸመ፣ ኣብታ ከተማ ንናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምዝርራብ ከምዘረጋገጸ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሩ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፣ ብመንግስቲ ኢትቶጵያ ዝቖመ ኮይኑ፣ ናጻን ዘይሻራዊን ትካል ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0