ሰራዊት ሊብያ፣ 200 ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ቀይዱ

ሰራዊት ሊብያ፣ 200 ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ቀይዱ

Radio Erena: June 03, 2014

Libya

ሰራዊት ሊብያ፣ ብመካይን ተጻዒኖም ካብ ዛውያ ናብ ከተማ ትሪፑሊ ዘምርሑ ዝነበሩ 200 ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ኣፍሊጡ።

እቶም ኣብ ፓኮታት ተሓቢኦም ኣብ ናይ ጽዕነት መካይን ዝነበሩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን፣ ኣብ ከባቢ ዶባት ካብ እትርከብ ዛውያ ናብታ ናብ ኢጣልያ መሰጋገሪ ዝኾነት ከተማ ትሪፑሊ ኣብ ዘምርሕሉ ዝነበሩ እዋን፣ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ሐልዋ ዝነበረ ሰራዊት ብዘካየዶ ተፍትሽ’ዮም ክተሓዙ ክኢሎም።

 

እቶም 160 ደቂ ተባዕትዮ ክኾኑ እንከለዉ እተን 40 ድማ ደቂንስትዮ ምዃነን ሓደ ካብ ሓለፍቲ ሰራዊት ናይቲ ኣብ ዛውያ ዝርከብ ኣሃዱ ገሊጹ።

ሰራዊት ሊብያ ነቶም ኣብ ቀይዲ የትእዎም ዘሎ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውንን ናብ ሱዳን ክመልሶም ከምዝኽል ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ዛጊት ኩነታቶም ብንጹር ኣይተሓበረን።

መንግስቲ ሱዳን ኣቐዲሙ፣ ሰራዊት ሊብያ ካብ ዶብ ዝመለሶም ልዕሊ 600 ስደተኛታት ከምዝተቐበለ ይዝከር።

==================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0