ሰራሕተኛታት በዓልመዚ ኤሌክትሪክ ሱዳን፣ ወሰኽ ደሞዝ ብምጥላብ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ኣካይዶም

Radio Erena: 09 September 2022

ሰራሕተኛታት በዓልመዚ ኤሌክትሪክ ሱዳን፣ ወሰኽ ደሞዝ ብምጥላብ ናይ ክልተ መዓልታት ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ኣካይዶም።

እቲ ኣድማ ኣብ ዞባታት ካርቱም፣ ቀይሕ ባሕሪ፣ ሰሜንን ደቡብን ኮርዶፋን፣ ከምኡ ድማ ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ምክያዱ ራድዮ ዳባንጋ ኣረጋጊጻ።

እቲ ካብ ሰሉስ 6 ክሳብ ትማሊ ሓሙስ 8 መስከረም ዝተኻየደ ኣድማ፣ ንዝበዝሐ ክፋል ሱዳን ካብ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ክሕርም እንከሎ፣ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ድማ ዝተፈራረቐ ኣገልግሎት ምንባሩ ተመልኪቱ።

ኣቐዲሙ፣ ኣብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ሚኒስተሪ ጸዓትን ኤሌክትሪክን ሱዳን ኮፍ ብምባል ዝጀመረ ተቓውሞ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል፣ ዝተኣትወሎም መብጽዓ ወሰኽ ደሞዝ ብዝቐልጠፈ ግብራዊ ክኸውን’ዩ ጸዊዑ።

እንተኾነ እቲ ሚኒስትሪ ዘዕግብ መልሲ ክህቦም ስለዘይክኣለ፣ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ክቕጽልዎ ወሲኖም።

እቲ ወሰኽ ደሞዝ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ግብራዊ ክኸውን ከምዝኽእል መረጋገጺ እንተዘይተዋሂብዎም ኣድማ ክቕጽሉ ምዃኖም ወደብቱ ኣጠንቂቖም።

ቁጠባዊ ቅልውላው ብሰንኪ ዝፈጠሮ ዋሕዲ ነዳዲ ከንቆልቁል ዝጸንሐ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ሱዳን፣ ኣድማ ሰራሕተኛታት ተደሚርዎ ናብ ዝበኣሰ ደረጃ ክወርድ ምዃኑ ንዝተፈላለዩ ወሃብቲ ርእይቶ ብምውካስ እታ ራድዮ ገሊጻ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0