ሰለስተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ፣ ኣብ ዙር ፈረንሳ 2015 ክወዳደሩ ተሓጽዮም

ሰለስተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ፣ ኣብ ዙር ፈረንሳ 2015 ክወዳደሩ ተሓጽዮም

Radio Erena: 04 June 2015

3ericy

ካብ 4 ክሳብ 26 ሓምለ ዝካየድ ኣብ 2015 ቅድድም ብሽክለታ ዙር ፈረንሳ፣ ንደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ኤምቲኤን ኩቤካ ዝወከሉ ሰለስተ ኤርትራውያን ክሳተፉ ከምዝተሓጽዩ ምዕከናት ዜና ስፖርት ኣረጋጊጸን።

እቶም ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ‘ቱር ደ ፍራንስ’ ክወዳደሩ ተሓጽዮም ዘለዉ ኤርትራውያን ዳኒኤል ተኽለ ሃይማኖት፣ ናትናኤል ብርሃነን መርሃዊ ቅዱስን’ዮም።

ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ኤምቲኤን ኩቤካ ኣብዚ ዓቢ ቅድድም ብሽክለታ ዝሳተፉ 11 ተጻወቲ ሓጽያ እኳ እንተላ፣ ካብዚኣቶም ተጻርዮም ድማ ትሽዓተ ጥራይ’ዮም ኣብ ‘ቱር ደ ፍራንስ’ 2015 ዝወዳደሩ።

 

በዚ መሰረት፣ እቶም ናብ ዙር ፈረንሳ ተሓጽዮም ዘለዉ 11 ተቀዳደምቲ እታ ክለብ፣ ክሳብ 14 ሰነ ኣብ ኣብ ዝካየድ ውድድር ‘ክራይተርዩም ዶውፊነ’ ብቕዓቶም ከረጋግጹ’ዮም።

ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ኤምትኤን ኩቤካ ፣ ዝመጽእ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዝካየድ ዙር ፈረንሳ 2015 ክወዳደሩ ካብ ዝሓጸየቶም 11 ተቐዳደምቲ፣ እቶም 7 ኣፍርቃውያን ክኾኑ እንከለዉ፣ ሰለስተ ዜጋታት ኤውሮጳ ሓደ ድማ ኣመሪካዊ’ዩ።

ካብቶም ሸውዓተ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ፣-ሰለስተ ዜጋታት ኤርትራ፣ ሰለስተ ዜጋታት ደቡብ ኣፍሪቃ ሓደ ከኣ ኣልጀርያዊ’ዩ።

ኣብ ዙር ፈረንሳ ንመጀመርያ እዋን እትሳተፍ ዘላ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ኤምቲኤን ኩቤካ፣ ሰለስተ ኤርትራውያን ዝሓቖፈት ሸውዓተ ኣፍሪቃውያን ነዚ ዓቢ ቅድድም ክሕጸዩ ኣብ ታሪኽ ናይዚ ቅድድም ንመጀመርያ እዋኑ’ዩ።

እዞም ድሮ ተሓጽዮም ዘለዉ ሰለስተ ኤርትራውያን ኣብ ዙር ፈረንሳ 2015 ክሳተፉ እንተኽኢሎም ድማ ኣብ ናይዚ 112 ዓመት ታሪኽ እዚ ቅድድም፣ ፍሉይ ፍጻመ ክኸውን’ዩ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0