“ሰለስተ ኤርትራውያን መንእሰያት ብሰንኪ እምነቶም ን25 ዓመታት ተኣሲሮም ኣለዉ”

Radio Erena: 18 September 2019

ካብ 1994 ኣትሒዞም፣ ሰለስተ ኤርትራውያን ብሰንኪ እምነቶም ን25 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ከምዘለዉ ተጣበቕቲ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ገሊጾም።

እቶም ሰዓብቲ እምነት ናይ ጆሆቫ መሰካኽር ዝኾኑ፣ ሰለስተ መንእሰያት ፓውሎስ ኢያሱ፣ ኢሳቕ ሞጎስን ነገደ ተኽለማርያምን’ዮም።

ኣብ ልዕሊ’ዚኦም፣ 10 ደቂንስትዮ ዝርከብኦም 49 ሰዓብቲ እምነት ናይ ጆሆቫ መሰካኽር’ውን ኣብ ማእሰርቲ ከምዘለዉ ጸብጻባት ሃይማኖት ይጠቕሱ።

ኣብ ኤርትራ፣ ካብ ዝተኣስሩ 52 ጠቕላላ ብዝሒ ሰዓብቲ ናይ ጆሆቫ መሰኻኽር፣ ናብ ፍርዲ ዝቐረበ ከምዘየለ’ውን እቲ ጸብጻብ የመልክት።

ኣርባዕተ ሰዓብቲ እምነት መሰካኽር ጆሆቫ ኣብ ቤት ማእስርቲ ክሞቱ እንከለዉ፣ ሰለስተ ብዝወረዶም ከቢድ ግፍዕታት ካብ ማኣሰርቲ ድሕሪ ምውጽኦም ከምዝሞቱ’ውን ብተወሳኺ ተገሊጹ።

ኣብ ኤርትራ፣ ካብ ጽባሕ ናጽነት ጀሚሩ፣ ብምስምስ ሃይማኖትታት፣ ኣኽረርቲ ኣስላም፣ ጆሆቫ፣ ጴንጠ፣ ድሒሩ ድማ መናፍቃን… ወዘተ እናተባህለ ኣሽሓት ዜጋታት ብሰንኪ እምነቶም ከምዝተኣስሩ ይፍለጥ።

ሓያሎ ካብዞም ብሰንኪ እምነቶም ዝተኣስሩ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ህይወቶም ከምዝሓለፈ ሰነዳት የረጋግጽ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0