ሰለማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን ኣንጻር ፖሊሲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ይቕጽል

ሰለማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን ኣንጻር ፖሊሲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ይቕጽል

Radio Erena: January 23, 2014

 

Eri Israaaaa

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝኾኑ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ከም መቐጸልታ ናይቲ ብዕለት 21 ታሕሳስ ዝጀመርዎ መሰል ስደተኛ ንምርግጋጽ ዝዓለመ ሰለማዊ ሰልፊታት ትማሊ 22 ጥሪ’ውን ብዝሰፍሐን ብዝሓየለን መልክዕ ከምዝቐጸልዎ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብ ተልኣቪቭ ሺሻይ ገብረሃንስ ሓቢሩ።

እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ መንግስቲን ህዝቢን እስራኤል ሰፊሕ መዛረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ከምዝቐነየ ዝፍለ ኮይኑ፣ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና እስራኤል ኮነ ማዕከናት ዜና ዓለም ኣብ እስራኤል ካብ ዝተኻየዱ ሰለማዊ ሰልፊታት ኣቲ ዝሓየለን ስነምግባር ዝሓለወን ኪብላ ገሊጸንኦ ።

 

ስደተኛታት ብዛዕባ’ቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ሰለማዊ ሰልፊታትን ናብ መንግስቲ እስራኤል ዘቕርብዎ ዘለዉ ሕቶታትን ካብ ሰበስልጣን መንግስቲ’ታ ሃገር ዝተዋህበ መልሲ’ኳ እንተዘይሃለወ፣ ተስፋ ብዘይምቑራጽ ክሳብ መወዳእታ ንመሰልና ኪንቃለስ ኢና’ ክብሉ ብትሪ ከምዝገለጹ’ውን ወኪልሬድዮ ኤረና ኣገንዚቡ።

እቶም ስደተኛታት ብተወሳኺ፣ ፖለቲካዊ ሕቶ እንተዘይኮይኑ ቁጠባዊ ጉዳይ ናብ ስደት ከምዘየምርሖም ንምርግጋጽ፣ ነቲ ሰለማዊ ሰልፍታት ስራሕ ድው ብምባል ከምዘካየድዎ ይጥቐስ።

ብ15 ጥሪ’ውን ቆልዑን ህጻናትን ዝሓዛ ኣሽሓት ደቂንስትዮን ተመሳሳሊ ሰልፊ ከምዘካየዳ ይዝከር።

እዚ ትማሊ 22 ጥሪ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ፍሉይ ዝገብሮ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ጎኒ ወገናቶም ደው ብምባል፣ ኣብ ኤምባሲታት እስራኤል ተመሳሳሊ ሰልፊ ምክያዶም’ዩ።

ካብ ዝተፈላለያ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ማሕበራትን ውድባትን ዝተወከሉ ሓያሎ ሰባት’ውን ኣብ’ዚ ናይ ትማሊ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ጎኒ’ቶም ስደተኛታት ተሰሊፎም ውዒሎም።

ኣብቲ ናይ ትማሊ ሰለማዊ ሰልፊ ኣባል ፓርላማ እስራኤል ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ዝመበቆሉ ኣይሁዳዊ ሽሎሞ ሞላ “ነዚ ተካይድዎ ዘለኹም ሰለማዊ ሰልፊታት ብዕቱብ ንከታተሎን ንካትዓሉን ኣለና” ድሕሪ ምባል ኩሉ እስራኤላዊ መሰል ስደተኛታት ናይ ምኽባር ግዴታ ስለዘለዎ እተካይድዎ ዘለኹም ሰልፊ ብዘይምሕላልን ብዝሓየለ መልክዑን ክትቕጽልዎ ይላቡ ክብል ኣተባቢዑ።

ኣብ ጎድንኹም ንኽስለፍ ዝቐሰበኒ ኣውራ ምኽንያት ጥምረትኩም ሓድነትኩም’ዩ ዝበለ እቲ ኢትዮጵያ ዝመበቖሉ ኣይሁዳዊ ኣባል ፓርላማ እስራኤል፣ ናብታ ሃገር ካብ ዝገኦኣዘላ ዕለት ከምዚ ዓይነት ውህዱን ርግኣት ዘለዎን ሰለማዊ ሰልፊ ርእዩ ከምዘይፈልጥ’ውን መስኪሩ።

ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ እንዳሳዕሪ ዝጀመረ ሰለማዊ ሰልፊታት ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ’ውን ናብ ዝተፈላለያ ኤምባሲታት ብጥርኑፍ ብምኻድ፣ መንግስቲ ኣስራኤል መሰል ስደተኛ ንከኽብር ከዘኻኽሩን ጸቕጢ ኪፈጥሩን ተማሕጺኖም።

ነቲ ኣስታት 10 ሽሕ ስደተኛታት ዝተሳተፍዎ ሰለማዊ ስልፊ ንምውዳብ፣ ዝተፈላለዩ ውልቀሰባትን ኣባላት ደልይቲ ፍትሒን ለይቲን ቀትሪን ከይተሓለሉ ይሰርሑ ከም ዘለዉ ይፍለጥ።

================================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0