ርዋንዳ፣ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ኣማኢት ስደተኛታት ክትቅበል ከምእትኽእል ትገልጽ

Radio Erena: 12 August 2019

ርዋንዳ፣ ኣብ መዳጎኒ መዓስከራት ሊብያ ዝርከቡ ኣማኢት ስደተኛታት ሃገራት ኣፍሪቃ ክትቅበል ከምእትኽእል ኣፍሊጣ።

መግለጺ መንግስቲ ርዋንዳ ከምዘመልክቶ፣ እታ ሃገር ካብ ሊብያ ብግዝያውነት ናብ ኒጀር ዝገዓዙ ስደተኛታት’ውን ንምቕባል ተዳልያ ኣላ።

ርዋንዳ፣ ካብ ሊብያን ኒጀርን ኣማኢት ስደተኛታት ንምቕባል ድልውቲ ከምዘላ ትገልጽ ዘላ፣ ከም ኣካል ናይቲ ኣብ 2017 ዝኣተወቶ ኣስታት 30 ስደተኛታት ኣፍሪቃ ናይ ምቅባል መብጽዓ’ዩ።

ኣብዚ ቀረባ ድማ፣ ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ኣስታት 500 ስደተኛታት ክትቅበል ትጽቢት ኣሎ።

ኩነታት ሊብያ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ኮይንሉ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ኣብታ ሃገር ኣብ ሕማቕ ወዲቖም ዝርከቡ ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ናብ ውሕሱ ቦታ ምግዓዞም ሓላፍነት ኣለና ክብል ፕረዚድንት ርዋንዳ ፖል ካጋመ ገሊጹ።

ርዋንዳ፣ ምስ መንግስቲ እስራኤል ብዝበጽሓቶ ስምምዕ፣ ኣብ እስራኤል ካብ ዝርከቡ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ ዝኾኑ ስደተኛታት ክትቅብለ ምጽንሓ ዝፍለጥ’ዩ።

እንተኾነ፣ ሓያሎ ካብቶም ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ መሰላቶም ብግቡእ ከይተሓለወ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ወዲቆም ብደላሎ ናብ ኡጋንዳ ክሰግሩ ከምዝተገደዱን’ዮም ዝጠቕሱ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0