ርክብ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ብሰንኪ ፕረዚደንት ኢሰያስ ከምዝተናወሐ ተገሊጹ

ርክብ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ብሰንኪ ፕረዚደንት ኢሰያስ ከምዝተናወሐ ተገሊጹ

Radio Erena: 06 March 2019

beshir

ርክብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይን ፕረዚደንት ኣልበሽርን ንዘይተወሰነ ግዜ ከምዝተናወሐ ካብ ከተማ ካርቱም ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

እቲ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ፣ ንሰኑይ ንግሆ ሰዓት ትሽዓተ እዩ ተመዲቡ ኔሩ። እንተኾነ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይን ፕረዚደንት ኢሰያስን ሒዛ ዝተጓዕዘት ነፋሪት፣ ኣብ ከተማ ካርቱም ክትዓልብ ፍቓድ ፕረዚደንት ኢሰያስ ብዘይምዃኑ’ዩ እቲ ርክብ ተሰሪዙ ክብሉ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

መንግስቲ ሱዳን ርክብ ኣብይ ኣሕመድን ዑመር ኣልበሽርን ከምዝካየድን ጋዜጣዊ ዋዕላ ክገብሩን ምዃኖም ኣፍሊጡ ክነሱ፣ ድሒሩ ግና እቲ ርክብ ከምዝተናወሐ እምበር ዝኾነ ምኽንያት ኣይሃበሉን።

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ደቡብ ሱዳን ዑደት ኣብ ዘካዪዱሉ እዋን ኣብ ኤርፖርት ካርቱም ከዕርፉን፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር ተቐቢሉ ሓጺር ርክብ ከካዪዱን ተወሲኑ ምንባሩ ሰምበት 3 መጋቢት ምሸት ብቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ሱዳን ኣብ ዝወጸ መግለጺ ተሓቢሩ’ዩ።

እንተኾነ ፕረዚደንት ኢሰያስ ብሰንኪ’ቲ ምስ ፕረዚደንት ኣልበሽር ሓርፊፉ ዘሎ ዝምድናኡ፣ ኣብ ከተማ ካርቱም ከዕርፍ ፍቓደኛ ብዘይምዃኑ ብቐጥታ ናብ ከተማ ጁባ ከምዝተጓዕዙ’ዩ ተገሊጹ።

ከምዝፍለጥ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብሓባር ንፕረዚደንት ኤርትራ ክዓልዉ ወጢኖም ብዝብል ክሲ፣ መንግስቲ ኤርትራ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናኡ በቲኹ’ዩ ጸኒሑ።

ሱዳን ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውባ ከባቢታት ዓስኪሩ ዝነበረ ሰራዊታ ስሒባን ዶባ ከፊታን ክነሳ፣ ናይ ኤርትራ ኤምባሲኣ ግና ዛጊት ኣይከፈተትን። ስልታዊ ዝምድና ሱዳንን ኤርትራን በብእዋኑ ክበራበርን ክቕህምን ብተደጋጋሚ ንሓያሎ እዋናት ተራእዩ እዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0