ሩስያ ንግብጺ መደበር ኑክሌር ክትሃንጸላ ዘኽእል ስምምዕ ከቲመን

ሩስያ ንግብጺ መደበር ኑክሌር ክትሃንጸላ ዘኽእል ስምምዕ ከቲመን

Radio Erena: 12 December 2017

Al sisi Putin

ሩስያ ንግብጺ መደበር ኑክሌር ክትሃንጸላ ዘኽእል ስምምዕ ከምዝኸተማ ተሓቢሩ።

እዘን ክልተ ሃገራት መደበር ኩክሌር ንምህናጽ ስምምዕ ዝኽተማ ዘላዋ፣ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብ11 ታሕሳስ ኣብ ግብጺ ወግዓዊ ምብጻሕ ብምፍጻም ምስ ፕረዚደንት ዓብደል ፈታሕ ኣል ሲሲ ኣብ ዝተራኸበሉ’ዩ።

ግብጺ ክትሃንጾ መደብ ዘለዋ መደበር ኑክሌር ኣብ ጸዓት ሲቪላዊ ኣገልግሎታት ክውዕል ምዃኑ’ዩ ተገሊጹ።

ክልቲኦም መራሕቲ፣ ኣብቲ መዛረቢ ዓለም ኮይኑ ዘሎ ውሳኔ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ከተማ እዮርሳሌም’ውን ዘትዮም።

ብዘይካ’ዚ ሩስያ ምስ ግብጺ ኣብ ሓያሎ ወትሃደራውያን ቁጠባውን ስምምዓት ከምዝኸተመት ዝተፈላለዩ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ካብ ከተማ ሻርም ሸኽ ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ፑቲን ናብ ግብጺ ዘምርሕ ዘሎ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቅነ ንፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ኣብ ሞስኮ ተቐቢሉ ድሕሪ ምዝርራቡ’ዩ።

ሩስያ፣ ብጉዳይ ናይል ምስ ዝሰሓሓባ ዘለዋ ጎረባብቲ ሃገራት፣ ቁጠባውን ወትሃደራውያን ስምምዓት ምኽታማ፣ ንዝምድና ‘ተን ድሮ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብ ዝርከባ ሱዳንን ግብጽን ብዝያዳ ከሻሕክሮ ከምዝኽእል ተንተንቲ የረድኡ።

ፕረዚደንት ፒቱን ድሕሪ ናይ ግብጺ ዑደቱ ብጉዳይ እቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ዮርሳሌም ዘሕለፎ ውሳኔ ንምዝርራብ ናብ ቱርኪ ኣምሪሑ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0