ሩስያ ንኢትዮጵያ ናይ ኑክልየር ጸዓት ክትሰርሓላ’ያ

ሩስያ ንኢትዮጵያ ናይ ኑክልየር ጸዓት ክትሰርሓላ’ያ

Radio Erena: 11 March 2018

 FM Russia and ethሩስያ ንኢትዮጵያ ናይ ኑክልየር ጸዓት ክትሰርሓላ ምዃና ተገሊጹ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ድሕሪ ዘካየዶ ርክብ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ክልቲኤን ሃገራት ዝጸንሐን ናይ ፖለቲካ፣ ቁጠባን ባህልን ምትሕብባር ንምዕዛዝ፣ ሩስያ ነቲ ኢትዮጵያ መዲባቶ ዘላ ናይ ኑክልየር ጸዓት ንምዕዋት ሓገዛ ከተበርክት ምዃና ገሊጹ።

ኣቐዲሙ ብሩስያ ዝተሃንደሰ፣ ብቕዩድ ኣገባብ ኑክሌራዊ ሓይሊ ዘመንጩ መሳርሒ ማለት ረኣክተር ኣብ ኢትዮጵያ ንምትካል ዝርርብ ይካየድ ከምዘሎ’ውን ሰርገይ ላቭሮቭ ገሊጹ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ወርቅነህ ገበየሁ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ሃገሩ ኑክሌራዊ ጸዓት ከም ውሕስነት ምንጪ ሓይሊ ጸዓት ከምእትርእዮ ድሕሪ ምግላጽ፣ ነቲ ኑክሌራዊ ጸዓት ኣብ ሰላማዊ መዓላ ከምዝውዕል ስምምዕ ተገይሩ’ዩ ከምዝበለ ሺን ሁዋ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና ኣመልኪቱ።

ኢትዮጵያ ንዘለዋ ናይ 4,200 ሜጋዋት ኤለክትሪካዊ ጸዓት፣ ክሳብ 2037 ኣብ ዘሎ ግዜ ናብ 37 ሽሕ ሜጋዋት ክብ ንምባሉ ዝተፈላለየ መመንጨዊ ጸዓት ተማዕብል ከምዘላ በብእዋኑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

=============================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0