ሩስያ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ምስ ሃገራት ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝጀመረቶ ርክብ፣ ምስ ኢትዮጵያ ዘትያ

Radio Erena: 21 June 2021

ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኣቶ ደመቀ መኮነን ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሩስያ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ሚኒስተር ምስ ሩስያዊ መዘንኡ ሰርጌ ላቭሮቭ፣ ኣብ ሞስኮ ብምርኻብ፣ ብዛዕባ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራትን ህሉው ዞባዊ ኩነታት ብዝምልከት ተመያይጦም።

ወኪል መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ሩስያ ዝበጽሕ ዘሎ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ሩስያ ምስ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ጀሚራቶ ዘላ ዝርርብ’ዩ።

ሩስያ፣ ኣብቲ ዞባ ኣብ እዋን ሕብረት ሶቬት ዝነበራ ጽልዋ ንምምላስ ክትሰርሕ ምዃና’ዩ ዝግለጽ።

ኣቐዲሙ’ውን ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ጂቡቲን የመንን ኣብታ ሃገር ተመሳሳሊ ምብጻሕ ኣካይዶም’ዮም።

ሩስያ፣ ኣብ ሱዳን ወትሃደራዊ መዓስከር ንምህናጽ ምስ ስርዓት በሺር ዝኸተመቶ ውዕል፣ ብመሰጋገሪ መንግስቲ ዳግመ ግምት ይግበረሉ ምስ ምህላዉ፣ እታ ሃገር ጠመተኣ ናብ ካልኦት ሃገራት እቲ ዞባ ዘቢሉ ከምዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ምስ ሃገራት ምዕራብ ምቕዳው ዘይብላ ኤርትራ፣ ሓንቲ ካብተን ብቀዳምነት እትጥምተን ሃገራት ምዃና’ውን ወትሃደራዊ ተንተንቲ ይጠቕሱ።
================

COMMENTS

WORDPRESS: 0