ሞቛድሾ፣ ኣብ ሓደ ዘመናዊ ሆቴል ብዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ 23 ሰባት ተቐቲሎም

ሞቛድሾ፣ ኣብ ሓደ ዘመናዊ ሆቴል ብዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ 23 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 30 October 2017

Mogadishu Hotel attack

ኣብ ሶማል፣ ከተማ ሞቛድሾ ኣብ ዝርከብ ዘመናዊ ሆቴል፣ ብቀዳም 28 ጥቅምቲ ብዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ 23 ሰባት ከምዝተቐትሉን 30 ከኣ ከምዝቖሰሉን ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ኣረጋጊጾም።

ድሕሪ’ቲ ኣብ መኪና ነታጕ ብምጽዋድ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ሓሙሽተ ብረት ዝዓጠቑ ኣባላት ኣልሸባብ ናብቲ ሆቴል ብምእታው፣ ተዅሲ ከምዝኸፈቱን ንዝተወሰነ ሰዓታት’ውን ነቲ ሆቴል ተቖጻጺሮሞ ከምዘምሰዩን ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

ኣልሸባብ ኣብቲ ሆቴል መጥቃዕቲ ዘካየደሉ ምኽንያት፣ ሓያሎ ኣባላት ፓርላማን ሰበ ስልጣን መንግስቲን ኣብኡ ስለዝቕመጡ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይጠቕሱ።

እንተኾነ፣ ኣብቲ መጥቃዕቲ ብዛዕባ ዝተቐትለ ኣባል ፓርላማ ወይ በዓል ስልጣን ዛጊት ኣይተረጋገጸን።

እዚ መጥቃዕቲ ዝካየድ ዘሎ፣ ክልተ ቅነ ድሕሪ’ቲ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ዝኸበደን 500 ሰባት ግዳያት ዝገበረን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ኣብታ ከተማ ምክያዱ’ዩ።

ኣልሸባብ ናይዚ ብቀዳም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ክወስድ እንከሎ ናይቲ ቀዳማይ ግና ሓላፍነት ዝወሰደሉ ኣካል የለን።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0