ምዕጻው ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሻቕሎት ይፈጥር

ምዕጻው ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሻቕሎት ይፈጥር

Radio Erena: 02 January 2019

Eri Ethio border

ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ፍኑው ኮይኑ ዝጸንሐ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ድሕሪ ምዕጻው፣ ብወገን ኤርትራ ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩ ከምዘሎ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ዝተፈላለዩ ወገናት ሓቢሮም።

ብፍላይ ምስ ምጅማር ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ምጥያስን ምፍናውን ክጽበዩ ዝጸንሑ ኣባላት ሰራዊት፣ ምዕጻው ዶባት ብዝበኣሰ ተስፋ ኣቑሪጽዎም ከምዘሎ እቶም ወገናት ገሊጾም።

ካብ ዓሰብ ናብ ቡሬ ኣብ ዝወስድ ጽርግያ ኣብ ምጽጋን ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ፣ ብዛዕባ’ዚ ምዕጻው ዶባት ኣመልኪቱ ኣብ ዝተኻየደሎም ኣኼባ፣ ዶባት ብዘይቅድመ ኩነትን እኹል መጽናዕታትን ብሃንደበት ክዕጾን ክኽፈትን ስለምንታይ ዝብል ተደጋጋሚ ሕቶታት ከምዘልዓሉን፣ ብወገን ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ናይ ጸጥታ ምፍራስ ናብ ኤርትራ ከይልሕምን ገበነኛታት ንምቑጽጻርን ዝብል ምኽንያት ከምዝተዋህቦን እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት የገንዝቡ።

ምስ ምኽፋት ዶባት ተረጋጊኡ ዝጸንሐ ዋጋታት መሰረታዊ መግብታትን ናይ ህንጻ ኣቝሑን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ይንህር ምህላዉ፣ ኣብ ህዝቢ ካልእ ናይ መነባብሮ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።

ፍኑው ኮይኑ ዝጸንሐ፣ ካብ ክሳድ ዒቃ ናብ ራማ ካብ ሰርሓ ድማ ናብ ዛላምበሳ ዘሳግር ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተዓጽወሉ ምኽንያት ኣፍልጦ ከምዘይብሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ’ዩ።

ንህዝቢ ዝምልከቶ ሓበሬታ ዘይህብ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዛዕባ’ዚ ብውሳኔኡ ከምዝተዓጽወ ዝንገረ ዘሎ ዶባት ሕጂ’ውን ከም ልማዱ መብርሂ ኣይህያበሉን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ፋጺ ዝጸንሕ ሰራዊትን ከበድቲ ኣጽዋሩን ክስሕብ ኣብ ዝፈተነሉ፣ ካብ ነበርቲ እቲ ከባቢ ተቓውሞ ከምዝገጠሞ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ገሊጾም።

ህዝቢ ነቲ ምስሓብ ከበድቲ ኣጽዋርን ሰራዊትን ዝቃወም ዘሎ ምስ ኤርትራ ተጌሩ ዝተባህለ ሰላምን ሃንደበታዊ ምኽፋትን ምዕጻውን ዶባትን ካብ ዝፈጠሮ ዘይምትእምማን ምዃኑ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ዝዝርጋሕ ዘሎ ዝተፈላለዩ ርእይቶታት የረድእ።

ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመሰረት እቲ ኮሚሽን ዶባ ዝሃቦ ብይን፣ ኢትዮጵያ ባድመ ካብ ዝርከቦ ከባቢታት ጠቕሊላ ከይስሓበትን፣ ዶባት ብንጹር ከይተመልከተን ከይተሓንጸጸን፣ ንዕኡ ተኸቲሉ ድማ ሕጋዊን ንህዝቢ ብዝግባእ ዝተሓበሮን ናይ ሰብን ንብረትን ምንቕስቓስ ከይተተግበረን፣ ብድሌት መራሕቲ ጥራይ ብሃንደብት ዝግበር ምዕጻው ይኹን ምኽፋት ዶባት ነባሪ ሰላም እዘን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ክወሓስ ከምዘይክእል ብወገን ኤርትራውያን ብዓውታ ዝዝረበሉ’ዩ።

ስእሊ፣- ዘ ጋርድያን
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0