‘ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ፣ ሰላም ንምውሓስ ወሳኒ’ዩ።’ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ

Radio Erena: 23 January 2023

ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ፣ ሰላምን ተስፋን ንምውሓስ ወሳኒ ደረጃ ምዃኑ፣ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ኣንቶኒ ብሊንከን ገሊጹ።

እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ነዚ ዝገለጸ፣ ንምዕባለታት እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ቶዅሲ ብዝምልከት፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ ምዃኑ፣ ብ22 ጥሪ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ኣፍሊጡ።

ኤርትራ፣ ሰራዊታ ካብ ሓያሎ ከባቢታት ትግራይ ትስሕብ ምህላዋ፣ ነበርቲ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይን ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ዝዝርጋሕ ዘሎ ሓበሬታን ይጠቅስ እኳ እንተሎ፣ ብወገን መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዛጊት ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

ምስሓብ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ፣ ንትግባረ እቲ ኣብ 2 ሕዳር 2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ቀንዲ ረቛሒ ምዃኑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ሰራዊት ኤርትራ፣ ካብተን ኣብ ሰሜን ትግራይ ዘለዋ ዓድዋ፣ ኣኽሱምን ሽረን ዝርከብአን ከተማታት፣ ይስሕብ ምህላዉ በብእዋኑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

እንተኾነ እቲ ሰራዊት፣ ኣብ ከባቢታት እተን ከተማታትን ኣብ ዶባት ኣብ ዝርከባ ንኣሽቱ ዓድታትን ዓሪዱ ምህላዉ ብወገን ትግራይ ወቐሳታት ይቐርብ ምንባሩ ይፍለጥ።

ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ’ውን እንተኾነ፣ ካብ ክልል ትግራይ ጠቕሊሉ ከምዝሰሓበ፣ ብናጻ ኣካል ክረጋገጽ ኣይከኣለን።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0