ምትእትታው ሩስያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ሻቕሎት ይፈጥር

Radio Erena: 02 October 2022

ሩስያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እተርእዮ ዘላ ተገዳስነት ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን ኣመሪካ ሻቕሎት ፈጢሩ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ብፍላይ ምስቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ተኣሳሲሩ፤ ሩስያ ቁጠባዊን ወተሃደራዊን ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎ ቀይሕ ባሕሪ ባይታ እንተረኺባ፤ ሃገራት ምዕራብ ብሸለልትነት ክርእያኦ ከምዘይኮና ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሱዳን ገሊጹ።

ኣምባሳደር ጆን ጎድፍሪ ምስ ጋዜጣ ኣል ጣያር ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፤ ሱዳን ንሩሲያ ብመልክዕ ክራይ ክትህባ ዝመደበት ወተሃደራዊ ወደብ እንተተግቢራቶ፤ ካብ ሃገራት ምዕራብ ዝመጻ ግብረመልሲ ከቢድ ክኸውን እዩ ኢሉ።

ንሱ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ኣብ ዘካየዶ ቃለመጠይቕ፤ ሩሲያ ኣብ ሱዳን ከተካዪዶ ዝጸንሐት ዘይሕጋዊ ዕደና ወርቂ ኣቓልቦና ካብ ዝስሕብ ነዊሕ ገይሩ እዩ ብድሕሪ ምባሉ፤ ምቁጽጻር ቀይሕ ባሕሪ ግና ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ብሩሲያ ክካየድ ኣይነፍቅድን ኢና ኢሉ።

ሱዳን፤ ሩሲያ ኣብ ወደባታ ክሳብ ኑክሌር ሚሳይል ዝዓጥቃ መራኽብ ከአንግድ ዝኽእል ገማግም ባሕሪ ን25 ዓመት ብመልክዕ ክራይ ክትህባ ተሰማሚዓ እያ። እቲ ክራይ ንተወሳኺ 10 ዓመታት እውን ክሕደስ ዝኽእል እዩ።

ንግዳዊን ጸጥታዊን ረብሓታተን ንምሕላው ሃገራት ምዕራብ፤ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ዘዋስነን ሃገራት ስምምዕ ብምኽታም ወተሃደራተን ዓስኪረን ይርከባ።

ኤርትራ እውን፤ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ፤ ምስቲ ብኢራን ከምዝድገፍ ዝንገረሉ ሑቲ ናይ የመን ኣብ ዝገብርኦ ኲናት ኣገልግሎት ንምሃብ፤ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ወደብ ዓሰብ ወተሃደራዊ መዓስከር ክትሃንጽ ፈቒዳ እያ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0