“ምብጻሕ ም/ተሓጋጋዚት ጸሓፊ ጉ/ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ናብ ኣስመራ፣ ቅድሚ’ዚ ሓድሽ ወጥሪ ኢትዮ-ኤርትራ ዝተመደበ’ዩ፣”  ክ/ጉ/ወጻኢ ኣመሪካ

“ምብጻሕ ም/ተሓጋጋዚት ጸሓፊ ጉ/ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ናብ ኣስመራ፣ ቅድሚ’ዚ ሓድሽ ወጥሪ ኢትዮ-ኤርትራ ዝተመደበ’ዩ፣” ክ/ጉ/ወጻኢ ኣመሪካ

Radio Erena: 27 June 2016

Sjannon

ብምክትል ተሓጋጋዚት ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ዶክተር ሻኖን ስሚዝ ዝተመርሐ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ፣ ብዛዕባ’ዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ኵናት ሃዋሁ ንምዝታይ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ፈጺሙ።

ምክትል ተሓጋጋዚት ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ዶክተር ሻኖን ስሚዝ ካብ 22 ክሳብ 24 ሰነ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝጸንሓትሉ ብዛዕባ’ቲ ኣብ 12 ሰነ ኣብ ከባቢ ጸሮና ዘጋጠመ ፍጻሜን ህሉው ኩነታትን ብዝምልከት ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራን ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ናይ ወጻኢ ሃገራት ዲፕሎማሰኛታትን ከምዝተዘራረበት ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብ ጄኔቫ ኣብ ዝተጋብአ መበል 32 ዋዕላ ሰብኣዊ መሰላት፣ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤትራ ብዝምልክት ኣብ ዝተኻየደ ዘተ፣ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ምሉእ ኵናት ንምኽፋት ትዳሎ ኣላ ክብል ምክሳ ይፍለጥ።

 

እቲ መንግስቲ ኣቐዲሙ’ውን ናብ ባይቶ ጸጥታ ተመሳሳሊ ክሲ ከምዝልኣኸ ገሊጹ’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ከባቢ ጾሮና ብ12 ሰነ ዝተኻየደ ወትሃደራዊ ረጽሚ፣ ኢትዮጵያ ብትእዛዝ ምምሕዳር ዋሽንግተን ድሕሪ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመ’ዩ ክብል’ዩ ዝኸስስ።

ኣመሪካ፣ ክልትኤን ሃገራት ካብ ካብ ኵናትን ናብ ኵናት ካብ ዘምርሕ ምትኹታዃትን ክቑጠባ ብምጽዋዕ፣ ነቲ ብመግስቲ ኤርትራ ዝቀረበ ወቐሳ ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂባትሉ።

ይኹን’ምበር፣ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ንሬድዮ ፍራንስ ኢንተርናሽናል ኣብ ዝሃቦ ናይ ኢመይል መልሲ፣ እዚ በዓልቲ ስልጣን ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ዘካየደቶ ዑደት ኣቐዲሙ ዝተሰርዐ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ምስዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተኸሲቱ ዘሎ ሓድሽ ወጥሪ ምትሕሓዝ ከመዝይብሉ’ዩ ዘረድእ።

እቲ ክፍሊ ኣብ ናይ ኢመይል መልእኽቲ፣ ምክትል ተሓጋጋዚት ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ዶክተር ሻኖን ስሚዝ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝበጽሓትሉ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከምዘይተዘራረብት’ውን ኣፍሊጡ።

ዶክተር ሻኖን፣ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ኣተኩራ ክትሰርሕ ኣብ ግንቦት 2013’ያ ብክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ተመዚዛ።

=======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0