ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ከባቢ ከሰላ ዝተፈንጀረ ቦምብ፣ ሓደ ቆልዓ ዝርከቦም ሓያሎ ሰባት ኣቝሲሉ

ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ከባቢ ከሰላ ዝተፈንጀረ ቦምብ፣ ሓደ ቆልዓ ዝርከቦም ሓያሎ ሰባት ኣቝሲሉ

Radio Erena: 06 June 2016

Kassa

ኣብ ከባቢ ከሰላ ብዓርቢ 3 ሰነ ዝተፈንጀረ ቦምብ፣ ብውሕዱ ሓደ ቆልዓ ዝርከቦም ሓይሎ ሰባት ብኸቢድን ፈኵስን ከምዝቖሰሉ ወትሃደራውያን ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቲ ሓለንጋ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ኮር ሸላል፣ ኣብ ጥቓ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ ዝተፈንጀረ ቦምብ፣ ሓደጋ ድዩ ወይስ ኮነ ተባሂሉ ዝተጻወደ መጥቃዕቲ’ዩ ዛጊት ኣይተነጸረን።

ይኹን’ምበር ኣብቲ ምፍንጃር ዘጋጠመሉ ከባቢ ሸሞንተ ቦምባታትን ናይ ኣርፒጂ ተተኮስትን ከምዝተረኽበ’ውን ሬድዮ ዳባንጋ ኣረጋጊጻ ኣላ።

ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ምብራቕ ሱዳን ዝርአ ዘሎ ወትሃደራዊ ምንቕስቓሳት እናዛየደ ኣብ ዝመጸሉ እዋን፣ ሓይልትታት ጸጥታ ሱዳንን ኤርትራን ኣብቲ ከባቢ ተዋፊሮም ምህላዎም ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

 

እዚ ኣብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ምስ ተቓወምቲ ዕጡቓት ቤጃ ተኣሳሲሩ ዝርአ ዘሎ ወትሃደራዊ ምንቕስቓስት፣ ንክልቲኦም መንግስታት ኣሰሓሒቡ ከምዘሎ’ውን ዝተፈላለዩ ወገናት ይጠቕሱ።

ኣቐዲሙ’ውን ኣብ 16 ግንቦት ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ዕጡቓት ቤጃ ንምህዳን ኣብ ከባቢታት ታሕዳይ፣ ካራዩት፣ ሸላልብን ከሰላን ጽዑቕ ተፍትሽን ምቁጽጻርን ኣብ ዝገበረሉ እዋን ተዅሲ ከምዝተላዕለ ምጥቃሱ ይዝከር።

ወትሃደራውያን ምንጭታት ናብ ሬድዮ ኤረና ብዝልኣኽዎ ሓበሬታ መሰረት ከኣ፣ ኣብ ኤርትራ ከባቢ ኬሩ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ካብ ዝጸንሑ ተቓወምቲ ቤጃ ናይ ሱዳን፣ ሃዲዶም ናብተን ቁሸታት ድሕሪ ምእታዎም፣ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ንምህዳኖም ኣብ ዘካየድዎ ፈተነ እቲ ቶዅሲ ተላዒሉ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራን ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ተቓወምቲ ኤርትራን ካልኣይ ድማ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ናይ ተዅሲ ምልውዋጥ ከምዝተራእየ’ውን እቶም ምንጭታት ይጠቕሱ።

ብዛዕባ’ዚ ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝርአ ዘሎ ዘይንጹር ወትሃደራዊ ምንቕስቓሳቱን ጸጸኒሑ ዘጋጥም ግጭታትን ካብ ወገን መንግስቲ ሱዳን ይኹን ዕጡቓት ቤጃ ዝተዋህበ ዝኾነ ሓበሬታ የለን።

ብዕጡቓት ተቓወምቲ ቤጃን ራሻይዳን ዝቖመ ግንባር ምብራቕ ሱዳን፣ ብመንጎኝነት መንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ ዝተኻየደ ዘተ ዕጥቁ ብምውራድ ምስ መንግስቲ ሱዳን ንኽጽንበር ኣብ 2006 ኣብ ኣስመራ ስምምዕ ከምዝኸተመ ኣይርሳዕን።

እንተኾነ ዝበዝሑ ኣባላት ቤጃ፣ እቲ ናይ ኣስመራ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን ብዝብል ኣብ ከሰላን ፖርት ሱዳንን ተደጋጋሚ እዋን ተቓውሞታት ክውድቡ እንከለዉ፣ ሓያሎ ካብኣቶም ከኣ ዳግም ዕጥቖም ከልዕሉ ተገዲዶም ምህላዎም ይገልጹ።

ነቲ ናይ 2006 ስምምዕ ብመንጎኝነት ዝመርሐ መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቶም እቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን ብምባል ኣንጻር መንግስቲ ሱዳን ብረቶም ዘልዓሉ ኣባላት ቤጃ ክጥርንፎም ይርአ ምህላዉ’ዮም ዘገንዝቡ ወትሃደራውያን ምንጭታት።

ኣብ ድሮ 24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራውን፣ ወከልቲ ዞባ ከሰላ ኣብ ኤርትራ ዑደት ንኸካይዱ ብመንግስቲ ኤርትራ ወግዓዊ ዕድመ ከምዝቐረበሎም ይፍለጥ።

እቶም ወከልቲ፣ ኣብቲ ንልዕሊ ሰሙን ኣብ ኣስመራ ዝጸንሕሉ ግዜ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ብምርኻብ፣ ኣብቲ ዞባ ብዛዕባ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት ዘትዮም።

==========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0