ምስ ተቓውሞ ኣኽርያ ብዝተሓሓዝ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ሓያሎ ወለድን ተማሃሮ ዲያእ  ኣል-እስላምያን ተፈቲሖም

ምስ ተቓውሞ ኣኽርያ ብዝተሓሓዝ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ሓያሎ ወለድን ተማሃሮ ዲያእ ኣል-እስላምያን ተፈቲሖም

Radio Erena: 03 July 2018

asmara protesምስቲ ኣብ 31 ጥቅምቲ 2017 ዝተኻየደ ተቓውሞ ተማህሮ ዲያኣ ኣል-እስላምያ ብምዝተሓሓዝ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ሓይሎ ወለድን ተማሃሮን ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዞም ከምዝተፈትሑ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

እቶም ወለዲን ተማህሮን ገሊኦም ኣብ ማይ ስርዋ፣ ገሊኦም ከኣ ከባቢ ዓላ ንኣስታት ሸሞንተ ኣዋርሕ ተኣሲሮም ከምዝጸንሑ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ብናይ ገዛ ሊብሬቶን ኣስታት 100 ሽሕ ዝተገመተ ገንዘብን ዋሕስ’ዮም ተፈቲሖም ዘለዉ።

ኣቐዲሞ’ውን ኣብ ከባቢ ዓላ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ቆልዑ ከምዝተፈትሑ ብሬድዮ ኤረና ተቓሊሑ’ዩ።

ይኹን’ምበር፣ ገና ብዙሓት ዘይተፈትሑ ወለዲ፣ መማህራንን ተማህሮን ከምዘለዉ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣመልኪቶም።

 

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0