ምስ ተቓውሞ ኣኽርያ ብዝተሓሓዝ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኣቦ፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓሪፎም

ምስ ተቓውሞ ኣኽርያ ብዝተሓሓዝ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኣቦ፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓሪፎም

Radio Erena: 30 January 2019

ምስቲ ኣብ 31 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ተቓውሞ ተማሃሮ ዲያእ ኣል እስላምያ ብዝተሓሓዝ ተኣሲሮም ዝጸንሑ፣ ሓጂ ኢብራሂም ዮኑስ ዝተባህሉ ኣቦ፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓሪፎም።

እቶም ሓደ ካብ ኣባላት ኮሚቴ ናይታ ኣብ ኣኽርያ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ዝኾኑ ኣቦ፣ ኣብ ሓሙሻይ መደበር ፖሊስ ተኣሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ሮቡዕ፣ 30 ጥሪ ከምዝዓረፉ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

ኣብ ክሊ ዕድመ መጀመርያ 70ታት ዝርከቡ ሓጂ ኢብራሂም ዮኑስ፣ ኣብ ቤት ማሰርቲ ኣብ ዝጸንሕሉ ልዕሊ ሓደ ዓመት፣ ናይ ጥዕና ጸገም እኳ እንተጓነፎም፣ መንግስቲ ግቡእ ሕክምናን ክንክንን ከይረኽቡ ብምኽልካሉ፣ ብጸቕጢ ከምዝዓረፉ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የነጽር።

ኣቐዲሞም ብተመሳሳሊ ክሲ ኣብ ማእሰርቲ ዝነበሩ፣ ኣቦ መንበር ኮሚተ ወለዲ እታ ቤት ትምህርቲ፣ ወዲ 93 ዓመት ኣቦና ሓጂ ሙሳ መሓመድኑር፣ ኣብ መጋቢት 2018 ከምዝዓረፉ ዝዝከር’ዩ።

ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ሓጂ ሙሳ መሓመድኑር፣ ተቓውሞ ከይገጥሞ ዝሰግአ መንግስቲ ኤርትራ፣ ሓይልታት ጸጥታኡ ብምውፋር ኣማኢት መንእሰያት ከምዝኣሰረ’ውን ኣይርሳዕን።

ምስዚ ናይ ኣኽርያ ተቓውሞ ብዝተሓሓዝ ሓያሎ ወለዲ፣ መማህራንን ተማህሮን ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0