ምስ ሶማል ኣብ ዘዳውብ ከባቢ፣ ሸሞንተ ሓይልታት ጸጥታ ኬንያ ተቐቲሎም

Radio Erena: Sunday, 18 June 2023

ምስ ሶማል ኣብ ዘዳውብ ዞባ ጋሪሳ፣ ሸሞንተ ሓይልታት ጸጥታ ኬንያ ከምዝተቐትሉ፣ ፖሊስ እታ ሃገር ሓቢሩ።

ኣብ ሓለዋን ኮለናን ዝነበሩ ኣባላት ፖሊስ፣ ብመካይን እናተጓዓዙ እንከለዉ፣ ሓንቲ ካብኣተን ዝተቐብረ ነታጕ ረጊጻ ብምፍንጃራ፣ ሞትን መቝሰልቲን ከምዘጋጥመ ኮሚሽነር ጆን ኦቴኖ ገሊጹ።

ፖሊስ ኬንያ፣ እቲ ብ13 ሰነ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣልሸባብ ከምዝፈጸሞ’ዩ ወቒሱ።

እንተኾነ ዛጊት ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን።

ይኹን’ምበር፣ ኣልሸባብ ኣብቲ ዶባት ብጻዕቂ ስለዝንቀሳቐስ፣ ነቲ ነታጕ ኣባላቱ ዝቐበርዎ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ኣልሸባብ ዝሓለፈ ቅንያት’ውን ኣብ ልዕሊ ወትሃደራት ኡጋንዳ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 54 ካብኣቶም ከምዝተቐትሉን ሓያሎ ድማ ከምዝቖሰሉን ይዝከር።

ብዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ጎረባብቲ ሃገራትን መሻርኽትን ዝድገፍ ዘሎ ሰራዊት መንግስቲ ሶማል፣ ንኣልሸባብ ካብ ሓያሎ ከባቢታት ከርሕቖ እኳ እንተኸኣለ፣ መጥቃዕታት ካብ ምፍጻም ግና ክገትኦ ኣይከኣለን።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ ኣብ ሶማል፣ ዞባ ታሕታይ ሸበሌ፣ ተደርብዩ ዝተረሰዐ ቦምባ ብምፍንጃሩ፣ መብዛሕቶም ቆልዑ ዝርከብዎም ብውሕዱ 27 ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።

በቲ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣብ ከባቢ ቁሸት ሙራል ዘጋጠመ ሓደጋ ነታጕ፣ 53 ሰባት’ውን ብከቢድን ፈኵሲን ቆሲሎም ኣለዉ።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0