ወኪል ኤርትራ ምስ ሓድሽ ግዚያዊ መንግስቲ ሱዳን ርክብ ኣካዪዱ

Radio Erena: 25 August 2019

ኣብ ጽምብል ስምምዕ ሰላም ሱዳን ወከልቱ ዘይለኣኸ መንግስቲ ኤርትራ፣ ምስ ሓድሽ ግዚያዊ መንግስቲ’ታ ሃገር ርክብ ኣካዪዱ።

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ፣ ናብ ካርቱም ኣብ ዘካየዶ ወግዓዊ ዑደት፣ ምስ ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣል ቡርሃን ኣብ ዘካየዶ ርክብ፣ መንግስቲ ኤርትራ ምስቲ ግዚያዊ መንግስቲ ዝምድናኡ ከሐይል ከምዝደሊ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ዓብዱል ፋታሕ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ዝምድናኡ ምስ ኤርትራ ከደልድል፣ ሓደ ካብ ቀንዲ ዲፕሎማስያዊ ዕላማታቱ ምዃኑ ገሊጹ፣ ክብላ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣመልኪተን።

ከምዝፍለጥ ህዝባዊ ናዕቢ ሱዳን ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን፣ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ምስ ምንቅስቓስ ንናጽነት ክውግና እንከለዋ፣ መንግስቲ ኤርትራ ግና ምስቲ ስልጣን ዝሓዘ ወተሃደራዊ ወገን እዩ ዝምድናኡ ክምስርት ተራእዩ።

እቲ ወተሃደራዊ ቆንስል መንግስቲ ኤርትራ ብዘቕረቦ እማመ ዘይኮነ፣ ምስቲ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን ዘቕረቦኦ እማመ ብምስምምዑ ስለዝተቖጠዐ እዩ፣ ኣብ ጽምብል ናይቲ ስምምዕ ሰላም ዘይተረኽበ ክብሉ’ዮም ዲፕሎማሰኛታት ሱዳን ትንታነታቶም ዝህቡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0