ምስፍሕፋሕ ኮሮና ቫይረስ ንምግታእ፣ ሃገራት ኣፍሪቃ ብሓባር ክሰርሓ ዘኽእለን ባይታ ንምጥጣሕ ጻዕርታት ይካየድ

Radio Erena: 29 March 2020

ምስፍሕፋሕ ኮሮና ቫይረስ ንምግታእ ኣብ ዝግበር ቃልሲ፣ ሃገራት ኣፍሪቃ ብሓባር ክሰርሓ ዘኽእለን ባይታ ንምጥጣሕ ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ።

ኣብ ዩጋንዳ ዝርከብ ኣህጉራዊ ዩኒቨርሲቲ ካምፓላ ምስ ፊሊፕስ ፋውንደሽን ብምትሕብባር ኣብ ዘካዪዶ ዘሎ ምውድዳብ፣ እዚ ንምዕቡላት ሃገራት ከይተረፈ ከቢድ ብድሆ ኮይኑ ዘሎ ቫይረስ፣ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ እንተስፋሕፊሑ፣ ጉድኣቱ ቀሊል ስለዘይከውን፣ ብኣግኡ ንምምካቱ ዘኽእል ባይታ ንምጥጣሕ ዝዓለመ ምዃኑ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

ቀንዲ ዕላማ’ቲ ምትእኽኻብ፣ ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ ዝእከብ ዝኾነ ሓበሬታ ናይ ምቅብባልን ምውህሃብን መርበብ ንምዝርጋሕ ኮይኑ፣ ኣብ መላእ ዓለም ምስ ዝርከቡ ሰብ ሞያ ብቐጥታ ዘራኽብ እዩ።

እዚ ግዜ ዘይህብ ንመላእ ዓለም ለቢዱ ዘሎ ሕማም፣ ባህርያት’ቲ ቫይረስን ዘምጽኦ ዘሎ ለውጥታትን ብግቡእ እተተጸኒዑ፣ ኣብ ምምካቱን መከላኸሊኡ መድሃኒት ኣብ ምርካብን ዓቢ ግደ ስለዝህልዎ፣ ሰብ ሞያ’ቲ ዓውዲ ዘለዎም ኣፍልጦ ክካፋፈሉ ቀዳማይ ክውሰድ ዘለዎ ደረጃ ምዃኑ’ዩ ዝኣምን ኣህጉራዊ ዩኒቨርሲቲ ካምፓላ።

ኣብዚ ተበግሶ’ዚ ዝሳተፉ ዘለዉ ሊቃውንትን ሰብ ሞያ’ቲ ዓውድን፣ ዜጋታት ዩጋንዳ፣ ኬንያ፣ ታንዛንያ፣ ኢትዮጵያ፣ ናይጀሪያ፣ ዚምባብወን ደቡብ ኣፍሪቃን እዮም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0