ምስፍሕፋሕ ኢቦላ፣ ስግኣት ይፈጥር

ምስፍሕፋሕ ኢቦላ፣ ስግኣት ይፈጥር

Radio Erena: 11 September, 2014

Africa Ebola

ሕብረት ኣፍሪቃ ብሰንኪ ምስፍሕፋሕ ሕማም ኢቦላ፣ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ።

እቲ ሕብረት ኣብ ኣድስ ኣበባ ኣብ ዘካይዶ ህጹጽ ኣኼባ፣ ነዚ ካብ ሃገር ናብ ሃገር እናለሓመ ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ሕማም ኢቦላ ንምግታእ ክግበር ብዛዕባ ዝኽእል ሓባራዊ ጻዕሪ ዘትዩ።

ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲ፣ ሓይሊ ባሕሪን ምስግጋር ዶባትን ክወስድኦ ብዛዕባ ዘለወን ስጉምታት’ውን ኣብ ሓባራዊ መረዳእታ ክበጽሓ ኣገዳሲ ምዃኑ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መግለጺኡ ኣስሚርሉ።

 

ግዳያት ሕማም ኢቦላ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ልዕሊ 4 ስሕ በጺሕሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብተን ኣውራ እዚ ሕማም ዝርኣየለን ዘሎ ሃገራት ክኢላታት ንምውፋር ይሰርሕ ምህላዉ’ውን ኣፍሊጡ።

ሕማም ኢቦላ፣ ዝተበገሰሉ ጠንቒ ብፍለጥ እኳ እንተዘይክኣለ፣ እቲ ቫይረስ ብምትንኻፍን ትንፋስን ከምዝመሓላለፍ ተረጋጊጹ’ዩ።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ዛጊት ዝኾነት ምልክታት ሕማም ኢቦላ እኳ እንተዘይተራእየ፣ ብኣግኡ ጥንቓቐተን ሓባራዊ ስጉምትን እንተዘይተወሲዱ፣ ናብ ሃገራት እዚ ዞባ’ውን ምስፍሕፍሑ ዘይተርፍ ምዃኑ ውድብ ጥዕና ዓለም የጠንቕቕ።

ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ’ውን ካብን ናብን ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ናይ መጓዓዝያ በረታታት ንገሊኢ ክስርዝኦ እንከለዋ ንገሊጹ ኸኣ ጽኑዕ ምክትታል ይገብራሉ ኣለዋ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ፣ ሕማም ኢቦላ ከምዘይተራእያን ዘስግእ ኩነታት ከምዘሎ እኳ እንተረጋገጸት ክቱር ረስኒ፣ ሕማም ርእሲ፣ ቅርጥማት ጭዋዳን መለጋጋግቦታት፣ ድኻም፣ ሸውሃት መግቢ ምዕጻው ..ወዘተ ዝኣመሰሉ ምልክታት ዘለዎ ሕማም ዝርኣዮ ዝኾነ ሰብ ብቐልጠፈ ናብ ሕክምና ክኸይድ ለበዋ ኣቕሪቡ።

===============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0