ምምሕዳር ባይደን፣ ንሑቲ ካብ መዝገብ ሽበራ ክስርዞ ምዃኑ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 08 February 2021

ምምሕዳር ባይደን፣ ንሑቲ ናይ የመን፣ ካብ መዝገብ ሽበራ ክስርዞ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብዛዕባ’ዚ ኣመሪካ እትወስዶ ተበግሶ ናብ ባይቶ ሃገሩ ከምዘቕረቦ ኣፈኛ እቲ ናይቲ ክፍሊ ኣረጋጊጹ።

ምምሕዳር ባይደን፣ ኣብ መዝገብ ሽበራውያን ውድባት ካብ ዝሰፍር ገና ካልኣይ ወርሑ ንዘየቑጸረ ሑቲ፣ ክስርዞ ምዃኑ ዝገልጽ ዘሎ፣ ኣብ የመን ንዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ቀዳምነት ስለዝሃበ ደኣ’ምበር ኣብ ጉዳይ ሑቲ ዘሎ ፖሊሲ ስለዝተቐየረ ከምዘይኮነ’ውን ኣነጺሩ።

ምምሕዳር ትራምፕ፣ ሓደ ወርሒ ካብ ስልጣን ቅድሚ ምእላዩ’ዩ፣ ንሑቲ ኣብ መዝገብ ሽበራውያን ውድባት ኣስፊርዎ።

ኣብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ካብ ዝኣቱ ወርሒ ዘይመልአ፣ ሓድሽ ምምሕዳር ባይደን ድማ፣ ንሑቲ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ካብቲ መዝገብ ክስርዞ ምዃኑ ይገልጽ ኣሎ።

ውሳኔ ምምሕዳር ባይደን፣ ነተን ኣንጻር ሑቲ ንልዕሊ ሽዱሽተ ዓመታት ጽዑቕ ወትሃደራዊ መጥቃዕታት ከካይዳ ዝጸንሐ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዘሐጉስ ከምዘይኮነ ተንተንቲ የረድኡ።

ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ተመሪሑ፣ ኤርትራ እትርከቦ ናይ 31 ሃገራት ልፍንቲ፣ኣንጻር ሑቲ ዝኣወጆ ኵናት ሻድሻይ ዓመቱ መሊኡ፣ እንትርፎ ሞትን ምምዝባልን ኣማኢት ኣሽሓት ሰለማውያን ሰባት፣ ኣብ ባይታ ወትሃደራዊ ይኹን ፖለቲካዊ ዓወታት ከውሕስ ኣይክኣለን።

ንፖለቲካውን ወትሃደራውን ሚዛን የመን ዓብሊሉ ዝርከብ ሑቲ፣ ድሕሪ’ዚ ንሽዱሽተ ዓመታት ኣንጻሩ ዝተኻየደ ኵናት’ውን እንተኾነ ንዝበዝሐ ክፋል የመን ተቖጻጺሩ’ዩ ዝርከብ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0