ምልሻ ጃንጃዊድ፣ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ሓቲቱ

ምልሻ ጃንጃዊድ፣ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ሓቲቱ

Radio Erena: 29 April 2018

janjሱዳናዊ ጉጅለ ሚልሻ ጃንጃዊድ፣ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ሓቲቱ።

እቲ ብምጽናት ደቂ ሰብን ገበናት ኲናትን ዝኽሰስ ጉጅለ፣ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ንዝሕልኑ ስደተኛታት ኣብ ዶብ ሱዳንን ሊብያን ብምኽታር ንቑጽሪ ዋሕዚ ስደተኛታት ከምዘጉደለ ብምጥቃስ፣ ኣምሳያኡ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ፋይናንስያዊ ሓገዝ ክወሃቦ ከምዝግባእ ይገልጽ።

እዚ ስሙ ናብ ‘ሓይልታት ህጹጽ ረዲኤት’ ዝቐየረ ጉጅለ ምልሻ፣ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ካሕሳ ዝሓትት ዘሎ፣ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣባላቱ ኣብ ዶብ ሊብያን ሱዳንን ኣዋፊሩ ስደተኛታት ኣብ ምኽታር ተጸሚዱ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ።

ኮማንደር ምልሻ ጃንጃዊድ መሓመድ ሓምዳን ኣብ ምምራቕ ሓደስቲ ኣባላቱ ኣብ ዘስመዖ መደረ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ክሰርሖ ዝግብኦ ምግታእ ስደተኛታት ባዕልና ንዓመሉ ስለዘለና፣ ክኽሕሰና ይግባእ፣ እንተዘይኮይኑ ስራሕና ደው ከነብል ኢና’ ኢሉ።

ከምዝፍለጥ እዚ ጉጅለ ምልሻ ዝሓዞም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ከምዘውርደሎምን፣ ዝረኸበሎም ንብረት ከምዝዘምትን ቃል ምስክርነቶም ዝሃቡ ግዳያት ኣቃሊዖም’ዮም።

ሱዳን ካብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማልያ ንዝመጹ ስደተኛታት ቀንዲ መተሓላለፊት’ያ ብምባል ሕብረት ኤውሮጳ ንመንግስቲ ሱዳን ልዕሊ 123 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ብምሃብ ዶባታ ክትዓጹ ተደጋጋሚ ፈተነታት ኣካዪዱ እዩ።

================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0