ማእከላይ ባንክ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ኣገልግሎታት ምሃብ ጀሚሩ

Radio Erena: 08 February 2023

ምስ ምውላዕ ኵናት፣ ኣገልግሎታቱ ኣብ ክልል ትግራይ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ማእከላይ ባንክ ኢትዮጵያ፣ ካብ ሰሉስ 07 ለካቲት ኣትሒዙ ዳግም ምጅማሩ ኣፍሊጡ።

እቲ ባንክ፣ ኣብ መቐለን ከባቢኣን ዝርከብ 31 ጨንፈራቱ ምሉእ ኣገልግሎት ይህብ ከምዘሎ ብምሕባር፣ ኣብ ካልኦት ከተማታትን ከባቢታትን ክልል ትግራይ’ውን ብተመሳሳሊ ክጅምር ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ድሕሪ’ቲ ብ02 ሕዳር ኣብ 2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኸተመ ስምምዕ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፣ ኣቐዲመን፣ ከም ንግዳዊ ዝኣመሰላ ባንክታት ኣገልግሎታት ክህባ እኳ እንተጀመራ፣ ኣብታ ሃገር ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ማእከላይ ባንክ ግና ንጥፈታቱ ከይተመልሰ’ዩ ጸኒሑ።

እቲ ባንክ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ምሉእ ኣገልግሎት ክህብ ምጅማሩ ዝግለጽ ዘሎ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ምስ ዝወከሉ ወገናት፣ ንመጀመርያ እዋኑ ኣብ ከባቢ ዶብ ተራኺቡ ድሕሪ ምዝርራቡ’ዩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ድሕሪ ‘ቲ ምትእምማን ንምሕያል ኣገዳሲ ምዃኑ ዝተገልጸ ርክብ ምስ ወከልቲ ስምምዕ ሰላም ትግራይ፣ ናብታ ክልል ኣስታት 5 ቢልዮን ብር ክልኣኽ ከምዝወሰነ ይፍለጥ።

ኣብቲ ርክብ፣ ብዘይካ ምምላስን ምሕያልን ኣገልግሎታት፣ ኣብ ምስሓብ ሰራዊት ኤርትራን ሚሊሻታት ኣምሓራን ካብ መላእ ትግራይ ብዝምልከት’ውን ከምዝተመያየጡ ተሓቢሩ።

ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ተበታቲኑ ዝጸንሐ፣ ሓያሎ ትካላትን ምምሕዳራትን መንግስቲ ክልል ትግራይ ናብ ቦትኡ ይምለስ ከምዘሎ ዝሓበራ ሜድያታት፣ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ’ውን ነቲ ከባቢታት ናይ ምርግጋእ ዕማም ይርከቡ ምህላዎም ይጠቕሳ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0