ማእከላይ ባሕሪ፣ ሃለዋት ናይ 75 ሓተቲ ዑቕባ ከምዝተሳእነ ተገሊጹ

Radio Erena: 26 May 2022

ዋሕዚ ሓተቲ ዑቕባ ብማእከላይ ባሕሪ እናዛየደ ኣብ ዝመጽኣሉ ወቕቲ፣ ኣብዚ ሳልስቲ፣ ኣስታት 100 ሰባት ጽዒና ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝተበገሰት ናይ ጎማ ጃልባ ከምዝጠሓለተ ተገሊጹ።

እታ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ፣ ዝዋራ ካብ ዝተባህለ ከተማ፣ ዝተበገሰት ናይ ጎማ ጃልባ፣ ብማዕበል እናተደፍአት፣ ስፋክስ ናብ ዝተባህለት ወደባት ከተማ ቱኒዝያ ከምዝበጽሐት ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ኣመልኪቶም።

ብመሰረት ሓበሬታ ሰበ ስልጣን ቱኒዝያ፣ ህይወት ንምድሓን ኣብ ዝገበርዎ ጻዕሪ፣ ኣስታት 24 ሰባት ካብ ባሕሪ ከውጽኡ እንከለዉ፣ ናይ ኣስታት 75 ሓተቲ ዑቕባ ግን ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ 168 ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝሓዙ ገሊጾም።

ኣዛዚ ናይቲ ኣብ ትሪፑሊ ዝማእከሉ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፣ እቶም ሓተቲ ዑቕባ፣ ካብ ገማግም ዛውያ ተበጊሶም፣ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር ኣብ ዝተበገስሉ እዋን’ዮም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ተታሒዞም።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0