ማሕበረ ሰብ ዓለም ንእስራኤል ይነቅፍ

እስራኤል 14 ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ምምላሳ፣ ካብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ነቐፌታ ይወርዳ ኣሎ።

    መንግስቲ እስራኤል ነቶም ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ዝመለሰሉ ምኽንያት ብድሌቶም’ዩ ይብል እኳ እንተሎ፣ እቶም ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ግና ዛጊት ካብ ልሳኖም ክስማዕ ኣይተኻእለን።

    እስራኤል ነቶም ኤርትራውያን፣ ኣብ በረኻ ኣብ ዝተደኮነ ምስቲ ኣመሪካ ብሽበራ ዝተጠርጠሩ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት እትቕይደሉ ጓንታናሞ ዝመሳሰል በት ማእሰርቲ ብስቓይ ክትሕዞም ከምዞም ስለዝጸንሐት፣ ካብዚ መከራ እዚ ንምውጻእ ወላ ናብ ዓድና ክንምለስ ዝብል ውሳኔ ወሲዶም ክኮኑ ከምዝኽእሉ ዝገልጹ ሓያሎ ወገናት’ውን ኣለዉ።

    ብታሪኽ ስደትን ግፍዕን ዝሓለፈት እስራኤል፣ ኣብዚ እዋን’ዚ እታ እብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝበኣሰ ግፍዒ እትፍጽም ዘላ ብደሞክራሲ እትግለጽ እንኮ ሃገር’ያ።
እስራኤል ብዘይካ’ቶም ድሮ ናብ ኤርትራ ኣፋንያቶም ዘላ 14 ኤርትራውያን፣ ብድሌቶም ዝተበገሱ ዝበለቶም ኣምኢት ተወሰኽቲ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ንምርካቦም ትሰርሕ ምህላዋ’ያ ትገልጽ።

    እቶም ናብ ኤርትራ ዝምለሱ ኤርትራውያን ብድሌቶም ዘይኮነ ተታሊሎም’ዮም ዝበሉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት’ውን፣ መንግስቲ እስራኤል ነቲ ስጉምቲ ደው ከብሎ ጸዊዖም።
እስራኤል፣ ንመግስቲ ኤርትራ ኣምሳያ ናይቲ ዝተሰጉ ኤርትራውያን ምቕባሉ ብርከት ዝበለ ፊናንስያዊ ሓገዝ ክህቦ ምዃኑ ብምስጢራዊ መንገዲ ከምእተዘራረቡ’ውን ይግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0