ማልታ፣ ልዕሊ 10 ሽሕ ዶላር ሒዙ ክወጽእ ዝነቐለ ኤርትራዊ ተቐጺዑ

ማልታ፣ ልዕሊ 10 ሽሕ ዶላር ሒዙ ክወጽእ ዝነቐለ ኤርትራዊ ተቐጺዑ

Radio Erena: 20 February 2019

ካብ ማልታ ልዕሊ 10 ሽሕ ዶላር ሒዙ ክወጽእ ዝነቐለ ኤርትራዉ ልዕሊ 3 ሽሕ ዶላር ከምዝተቀጽዐ ማዕከን ዜና ማልታ ቱደይ ኣፍሊጡ።

ሓጂ ሙሳ መሓመድኑር ዝተባህለ ወዲ 42 ዓመት ኤርትራዊ፣ ናብ ሱዳን ኣብ ዝተበገሰሉ፣ ሕጋዊ ፍቓድ ክፍሊ ኣታዊ ውሽጢ ማልታ ዘይብሉ 10 502 ዶላር ሒዙ ብመዓርፎ ነፈርቲ ክወጻጽእ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን’ዩ ከምዝተታሕዘ’ዩ እቲ ማዐናት ዜና ኣብ ናይ ዝሓለአ ሰሙን ጸብጻቡ ገሊጹ።

ጉዳዩ ብቤት ፍርዲ ተጻርዩ ድማ፣ እቲ ኤርትራዊ ምዃኑ ዝተገልጸ ሰብ 3 127 ዶላር መቕጻዕቲ ክኸፍል ተበይንዎ።

ብመሰረት ሕጊ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ልዕሊ 10 ሽሕ ዶላር ሒዞም ዝንቀሳቐሱ ገያሹ፣ ንምእታው ይኹን ንምውጻእ ሕጋዊ ፍቓድ ክፍሊ ውሽጣዊ ሃገር የድልዮም።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0