ሚ/ጉ ወጻኢ ኢጣልያ፣ ብጉዳይ ምዕጻው ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ቤት ትምህርት ኢጣልያ፣ ናብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ደብዳቤ ምልኣኹ ተሓቢሩ

Radio Erena: 23 July 2020

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ልዊጂ ዲ ማዮ፣ ብጉዳይ ምዕጻው ኣብ ኣስመራ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ኢጣልያ፣ ብዝምልከት ናብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ደብዳቤ ከምዝልኣኸ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

እቲ ሚኒስተር፣ ብመንገዲ’ቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲኡ ኣቢሉ ኣብ ዝልኣኾ ደብዳቤ፣ ዝምድና ኢጣልያን ኤርትራን ታሪኻዊ ሰረት ከምዘለዎ ብምዝኽኻር፣ ብዛዕባ ምዕጻው እታ ቤት ትምህርቲ መብርሂ ክወሃቦን፣ ትግባረታት ኮረና ቫይረስ ብዘፍቅዶ መሰረት፣ ናብ ስሩዕ ንጥፈታታ ክትምለስ ዘለዎ ተስፋን ኣስፊሩ።

ካብ ወገን ኤርትራ ዝተዋህበ መልሲ ኣይተፈልጠን።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ምስ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ተተሓሒዙ፣ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጸዋ ድሕሪ ምእዛዙ፣ ኣብ ኣስመራ ንእትርከብ ቤት ትምህርቲ ኢጣልያ ግና ፍቓድ ስርሓ ከተረክብ ከምዝሓተተ ምስታ ቤት ትምህርቲ ቅርበት ዘለዎም ኢጣልያውያን ኣመልኪቶም።

ሓያሎ ኣባላት ፓርላማ ኢጣልያ ብወገኖም እታ ቤት ትምህሪ ከይትዕጾ፣ መንግስቲ ኢጣልያ ኢዱ ከእቱ ክሓቱ ምጽንሖም መርበባት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን።

ዝተፈላለዩ ኣብ ትምህርቲ ዝግደሱ ትካላት ብወገኖም፣ ናብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ልዊጂ ዲ ማዮ ሚኒስተር ትምህርቲ ፣ ሉችያ ኣዞሊናን ተመሳሳሊ ጥርዓናት የቕርቡ ምህላዎም እቲ መርበባት ኣፍሊጠን።

ሓደ ካብ ኣባላት ፓርላማ፣ ኣባል ሰልፊ ቪቫ ኢጣልያ፣ ኒኮላ ካረ፣ እቲ ቤት ትምርቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ብዝተዋህበ ትእዛዝ መሰረት ትህገር ከምዘላ’ዩ ኣንፊቱ።

ኣብ 1935፣ ኣብ ኣስመራ ዝተመስረተት ቤት ትምህርቲ ኢጣልያ፣ ካብ መውዓሊ ህጻናት ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ዘጠቓለለ ስርዓተ ምምሃርን ምስትምሃርን ‘ያ ክትህብ ጸኒሓ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣቕዲሙ፣ ብሃይማኖታውያን ትካላት ክመሃደራ ዝጸንሓ ኣብያት ትምህርቲ ከምዝሃገረን ይፍለጥ።

እቲ መንግስቲ፣ ንህዝባዊ ኣብያተ ትምህርቲ ብምድኻም፣ መማህራንን ተማሃሮን ናብ ስደት ድሕሪ ምውሓዞም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ናብተን ናይ ብሕቲ ኣብያተ ትምህርቲ ኣቛሚቱ ከምዘሎ ዝተፈላልዩ ወገናት ርእይቶታቶም ይህቡ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0