ሚንስተር ፋይናንስ ኤርትራ ምስ ሓለፍቲ ባንክ ዓለም ተራኺቡ

Radio Erena: 09 March 2023

ሚንስተር ፋይናንስ ኤርትራ ምስ ሓለፍቲ ባንክ ዓለም፡ ባንክ ኣፍሪቃዊ ልምዓትን ሕብረት ኤውሮጳን ተራኺቡ።

ኣብቲ ብረቡዕ 8 መጋቢት ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኬንያ ዝተገብረ ርክብ፡ ብዘይካ ሚንስተር ፋይናንስ ኤርትራ ሚንስተራት ፋይናንስ ጅቡቲ፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ሶማልያን ደቡብ ሱዳንን እውን ተሳቲፎም።

እቲ ርክብ ኣብ ጽላታት ውሕስነት፡ ንግዲ፡ ኣፍደገታት መጎዕዝያ፡ ዲጂታላዊ ርክብ፡ ማይ፡ መድሕን ጥሪትን ክሊማዊ ለውጥን ዝብሉ ዛዕባታት ኣልዒሉ ኣብ መንጎ እዘን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ከም ባንኪ ዓለም ዝኣመሰሉ መሻርኽትን ክህሉ ዝኽእል ምትሕግጋዝ ንምድንፋዕ ዝዓለመ እዩ ኔሩ።

ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብሰንኪ ስእነት ዝናብ ሓያል ደርቂ ክኽሰት ከም ዝኽእል ይግለጽ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ሃገራት’ዚ ዞባ ኣብ መንጎአን ዝጸንሐ ምትሕግጋዝ ከደንፍዓን፡ ምስ ኣህጉራውያን ለገስቲ ሓቢረን ክጸምዳን ይፍትና ምህላወን ይግለጽ።

እንተኾነ ካብ ዞባዊ ምትሕግጋዝ ንላዕሊ ተነጽሎ ትመርጽን፡ ምስ ኣህጉራውያን መሻርኽቲ ሓበሬታ ዘይትለዋወጥን ኤርትራ ካብዚ ርክብ እንታይ ከም እትጽበ ኣይተገልጸን። ብተወሳኺ ኤርትራ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዘይብላ ሃገር ክነሳ፡ምንቅስቓስ ዜጋታት ዘይተፍቅድ፡ ኣብ ምምስራት ካብ ዝርከብ ኣፍሪቃዊ ነጻ ንግዳዊ ዞባ ዝቦኸረት እንኮ ሃገር ምዃና እናተፈልጠ፡ ብዛዕባ ዲጂታላዊ መራኸቢታት ክትዝቲ ምውዓላ ኣገራሚ ኮይኑ’ሎ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0