ሚኒስትሪ ትምህርቲ፣ ብሰንኪ ዋሕዚ ናብ ስደት፣ ከቢድ ዋሕዲ መማህራን ኣንጸላልዩዎ

ሚኒስትሪ ትምህርቲ፣ ብሰንኪ ዋሕዚ ናብ ስደት፣ ከቢድ ዋሕዲ መማህራን ኣንጸላልዩዎ

Radio Erena: 21 August, 2014

Teachers

ሚኒስትሪ ትምህርቲ፣ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ንዘጋጥሞ ዘሎ ሃጓፍ መማህራን ንምምላእ፣ ግቡእ ስልተና ምምህርና ንዘይወሰዱ ኣማኢት ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ሳዋን ካልኦት ኮሌጃትን፣ ናብ ምምህርና መዲብዎም ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ሚኒስትሪ ትምህርቲ፣ ነቶም ብሚኒስትሪ ምክልኻል ተመዲቦም መጺኦም ዘለዉ ልዕሊ 700 መንእሰያት፣ ናብ ርሑቕ ገጠራት መዲብዎም ምህላዉ’ውን እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ብተወሳኺ የነጽር።

 

ግቡእ ናይ ምምህርና ስልጠና ዝወሰዱን ተሞክሮ ዘለዎምን መማህራን፣ በብእዋኑ ነቲ ሞያ እናጠንጠኑ ከም ኩሉ ክፋል መንእሰይ ኤርትራ ናብ ስደት የምርሑ ብምህላዎም፣ ስርዓት ምምሃርን ምስትምሃርን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ከምዝርከብ ብተደጋጋሚ እዋን ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ሓድሽ ዓመተ ትምህርቲ 2014/ 2015፣ ኣብ መፋርቕ መስከረም ክጅምር ምድላዋት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ፣ ሓያሎ ኣብያተ ትምህርቲ ከም ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ ስእነት መማህራን ሓያሎ ኣዋርሕ ተዓጽየን ከይጸንሓ’ውን ሚኒስትሪ ትምህርቲ ስግኣት ኣለዎ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንዘጋጥሞ ዘሎ ዋሕዲ መማህራን፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ንዘሎ ጸገም፣ ካብ UNDP ብዝተረኽበ ሓገዝ ካብ ህንዲ መማህራን ብምምጻእ ክምልኦ ዝፍትን እኳ እንተኾነ፣ ብውሽጣዊ ዓቕሚ ክትካእ ክሳብ ዘይክኣለ ኣድማዕነቱ ከምቲ ዝድለ ኣይኮነን።

ትምህርቲ፣ ብስንኪ ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ስደት፣ ብዓቕሚ ሰብ ብፍላይ ድማ መማህራን ካብቶም ብቀዳምነት ተሃስዮም ዘለዉ ጽላታት ኤርትራ’ዩ።

============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0