ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ፣ ሃገራት ዓረብ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ክገብራ ንምጽዋዕ ዝዓለመ ዑደት የካይድ

Radio Erena: 11 March 2020

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሳምሕ ሾክሪ ዝመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ግብጺ፣ ሃገራት ዓረብ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ክገብራ ንምጽዋዕ ዝዓለመ ዑደት ኣብ ምክያድ ይርከብ።

ልኡኽ ግብጺ፣ ካብ 8 መጋቢት ኣትሒዙ ናብ ሸውዓተ ሃገራት ዓረብ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ፣ ኢትዮጵያ ንሃገራዊ ድሕነት ግብጺ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ፕሮጅከት ምህናጽ ዲጋ ተሃድሶ፣ ብዘይስምምዕ ክትቕጽሎ ምውሳና ድሕሪ ዝተፈጥረ ተወሳኺ ምስሕሓብ’ዩ።

እቲ ልኡኽ፣ ብፍላይ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅርበት ኣለዎም ንዝብሎም ንጉስ ሳልማን ናይ ስዑዲ ዓረብን ኣልናህያን መራሒ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ካብ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ዝተላእከ ደብዳቤታት ከብጽሕ’ዩ።

ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ብ4 መጋቢት፣ ብደረጃ ሚኒስተራት ኣብ ዘካየዶ መበል 153 ዋዕላ፣ ኣብ ኣብ ጉዳይ ናይል ንረብሓ ግብጺ ዝሃሲ ዝኾነ ስግሙቲ ከምዝቃወም ኣፍሊጡ።

ኣባላት ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ኢትዮጵያ ናብቲ ብሃንደበት ደው ዘበሎ ዘተ ክትምለስ በብወገነን ጻዕርታተን ክቕጽላ’ውን ተላብዩ።

ሱዳን፣ ግና ንብምሉኡ’ቲ ግብጺ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ናይል ብዝምልከት ናብ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ዘቕረበቶ ጠለባት ተቓውሞታት ከምዘለዋ ኣፍሊጣ’ያ።

ኢትዮጵያ፣ ብኣመሪካን ባንክ ዓለምን ተማእክሉ ክካየድ ዝጸንሐ ዘተ ኣጠቓቕማ ናይል ሃንደበት ከምዘይትሳተፍ ምግላጻ ዝፍለጥ’ዩ።

ብውሳኔ ኢትዮጵያ ከምዝተቖጥዐት ዝገለጸት ግብጺ፣ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ምስ ላዕለዎት ወትሃደራውያን ኣዘዝቱን ናይ ጸጥታ ኣማኸርቱን ኣብዚ ጉዳይ ብምትኳር ይመያየጥ ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር ሓቢሮም።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0