ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ንፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ የመን ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኣዘራሪቡ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ንፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ የመን ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኣዘራሪቡ

Radio Erena: 22 September, 2014

Osman yemen

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ንፈጻሚ ጉዳይት ኤምባሲ የመን ኣብ ኤርትራ መሓማድ ዓሊ ጃይፍ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ብምዕዳም ብዛዕባ ህሉው ኩነታት የመንን ምስ ኤርትራ ዘሎ ዝምድናን ብዝምልከት ከምዘዘራረቦ ማዕከናት ዜና የመን ሓቢረን።

ሚኒስተር ዑስማን፣ ነቲ የመናዊ ዲፕሎማሰኛ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ዓዲሙ ኣብ ዘዘራረበሉ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ እቲ ብፕረዚደንት ዓብዱ ሮቦ መንሱር ሓዲ ዝምራሕ መንግስቲ የመን፣ ነታ ሃገር ንምምራሕ ምሉእ ቕዓት ምህላዉ ከምዝኣምን ምግላጹ ኣገልግሎት ዜና የመን-ሳባ ሓቢሩ።

 

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ርክብ፣ ኣብ የመን ዘጋጥም ጸጥታዊ ሃጓፍ ነቲ ዞባ ብኣሉታ ከምዝጸሉ ብምትሕስሳብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንጉዳይ የመን ብዕምቖት ክትከታተሎ ከምእዝደሊ’ውን ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ጠቒሱ።

ኤርትራን የመንን ኣቐዲመን ናይ ሚኒስተራትን ዲፕሎማሰኛታትን ተደጋጋሚ ርክባት ከምዘካየዳ ዝዝከር ኮይኑ፣ መብዛሕቱ እቲ ዝተኻየደ ዝርርብ፣ ኣብ ጉዳይ እቶም ብኤርትራ ተታሒዞም ዘለው የመናውያን ገፍፍቲ ዓሳ’ዩ።

የመን፣ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ብብዝሒ ዑቕባ ዝሓቱላ ዘለዉ ሃገር ኮይና ምህላዋ’ውን መንግስቲ የመን ኣብ ምምላስ እቶም ዑቕባ ንምሕታት ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ኤርትራውያን ክተሓባበሮ ከምዝደሊ’ዩ ዝጥቀስ።

=================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0