ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት የካይድ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት የካይድ

Radio Erena: 13 January 2015

ChAf

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዋንግ ዩኢ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ቻይና፣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዑደት የካይድ ኣሎ።

እቲ ላዕለዋይ ልኡኽ ቻይና፣ ዑደቱ ብኬንያ ክፍልም እንከሎ ናብ ሱዳንን ኮንጎን’ውን ከምርሕ’ዩ።

ዕላማ ዑደት እቲ ላዕለዋይ ልኡኽ ቻይና፣ ኣብዚ ዞባ ብቻይና ተጀሚሩ ንዘሎ ከም ምህናጽ መንገዲ ባቡር ዕደና ነዳድ ዝኣመሰለ ገዘፍቲ ወፍርታትን ናይ ልምዓት መደባትን ንምዝርራብ ምዃኑ’ዩ ኣገልግሎት ዜና ቻይና ሺንሁዋ ሓቢሩ።

 

እቲ ልኡኽ ኣብ ናይ ሱዳን ዑደቱ’ውን ብዛዕባ ጉዳይ ግጭት ደቡብ ሱዳን ብዝምልከት ምስ ወከልቲ ሃገራት ኢጋድ ክዘራረብ ትጽቢት ኣሎ።

ቻይና ኣብ ምዕቃብ ሰላም ዝዋፈር 700 ኣጋር ሰራዊት ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ደቡብ ሱዳን ምውፋራ ይዝከር።

ልኡኽ ቻይና ነዚ ዑደት ዘካይድ ዘሎ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ እታ ሃገር ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ክህልዋ እትደልዩ ኣብ ንግድን ወፍርን ዘተኮረ ምትእስሳር’ዩ።

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዝተመርሐ ልኡኽ ዑደቱ ካብ ኬንያ፣ ሱዳንን ዴሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን ብምቕጻል፣ ናብ ኢኳተርያል ጊኒን ካሜሮንን’ውን ከምርሕ ምዃኑ ጸብጻብ ሺንሁዋ የመልክት።

==============================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0