ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ኣብ ጅቡቲ ምብጻሕ ክፍጽም’ዩ

Radio Erena: 19 April 2017

James d

ሚኒስተር ምክልኻል ጄምስ ማቲስ ዝምርሖ ላዕለዋይ ወኪል መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ጅቡቲ ምብጻሕ ክፍጽም’ዩ።

ዑደቱ ብ18 ሚያዝያ ብስዑዲ ዓረብ ዝፈለመ እቲ ሚኒስተር ናብ ግብጺ፣ ቀጣርን እስራኤልን’ውን ክበጽሕ ምዃኑ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ፣ ሚኒስተር ማቲስ ናብ ሃገራት ማእከላይ ክበጽሕ እዚ ንኻልኣይ እዋኑ’ዩ።

ኣብ 6ሚያዝያ ናብ ሶርያ ፈላሚ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ዑደቱ ዘካየደ ሚኒስተር ጄምስ ማቲስ፣ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ናብ ሓሙሽተ ዘካይዶ ዑደት፣ ኣብ ጸጥታን ወትሃደራዊ ኩነታት እቲ ዞባን ብምትኳር ክዝቲ’ዩ።

Dji Kaga

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ ፕረዚደንት ሩዋንዳ ፓል ካጋማ ኣብ ጅቡቲ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ።

ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ምብጻሕ ንምፍፍፍጻም ብ18 ሚያዝያ ናብ ጅቡቲ ዝኣተወ ፓል ካጋመ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ብዛዕባ ክህሉ ዝክእል ምትሕብባርን ንግዳዊ ልውውጥ ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ ዘትዩ።

ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ሩዋንዳ ተመሳሳሊ ወግዓዊ ዑደት ከምዘካየደ ይዝከር።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0