ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳን ጀርመንን፣ ንስምምዕ ሰላም ሰሜን ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ናብታ ሃገር ኣትየን

Radio Erena: 12 January 2023

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳን ጀርመንን፣ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ንዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ዘለወን ደገፍ ንምግላጽ፡ ሎሚ ሓሙስ 12 ጥሪ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትየን።

እተን ሚኒስተራት፣ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝጸንሓሉ ክልት መዓልታት፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ሰበ ስልጣን መንግስቲን ወከልቲ ኣውሓሲ እቲ ስምምዕ ምስ ዝኾነ ሕብረት ኣፍሪቃ ክመያየጣ’የን።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ፣ ካትሪን ኮሎናን ጀርመናዊት መዘንኣ፣ ኣናሌና በርቦክን፣ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘምርሓ፣ ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ምርኽኻብ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ትግራይ ዝጸንሐ ከበድቲ ኣጽዋር ናብ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ’ዩ።

ሚኒስተር ካትሪን ኮሎና፣ ቅድሚ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምብጋሳ፣ ካብ ፓሪስ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ ዕላማ ‘ቲ ዑደት ስምምዕ ሰላም ንምድጋፍን፣ ብኵናት ንዝዓወነ፣ ኣብ ዳግመ ህንጻ ክግበር ብዛዕባ ዝኽእል ምትሕግጋዝን ንምዝታይ ምዃኑ ኣስሚራትሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ምቑራጽ ቶዅሲ ብምክያድ ጸገማቶም ብፖለቲካዊ ዘተ ክፈትሑን ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲኤት ብዘይ ዕንቅፋት ናብ ህዝቢ ክባጻሓን ብምጥላብ፣ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ክገብር ዝጸንሐ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ድሕሪ ዑደት እዘን ክልተ ሚኒስተራት፣ ነዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፣ ኣብታ ሃገር ክኽተሎ ዝጸንሐ ፖሊሲ ክቕይር ከምዝኽእል ተንተንቲ ይእምቱ።

ፈረንሳ፣ ምስታ ሃገር ከቲማቶ ዝነበረት ምህናጽ ሓይሊ ባሕሪን ምምዕባል ሓይሊ ኣየርን ኢትዮጵያ ዝርከቦ ሓያሎ ወትሃደራዊ ስምምዓት፣ ምስ ምጅማር ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ደው ከምዘበለቶ ይዝከር።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ብወገኑ ዓመታዊ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝህቦ ዝነበረ፣ ኣማኢት ሚልዮናት ኤውሮ ፊናንስያዊ ሓገዝ ኣደስኪልዎ’ዩ ጸኒሑ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0