ሚኒስተራት ምክልኻል ኢትዮጵያን ጅቡትን፣ ዘካየደዎ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ንጥፈታት ገምጊሞም

ሚኒስተራት ምክልኻል ኢትዮጵያን ጅቡትን፣ ዘካየደዎ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ንጥፈታት ገምጊሞም

Radio Erena: April 23, 2014

ethio Djibouti

ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ሲራጅ ፈጌሳን ሚኒስተር ምክልኻል ጅቡቲ ሓሰን ድራር ሖፍነን፣ ኢትዮጵያን ጅቡትን ኣብዚ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናይ ዘካየድኦ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ንጥፈታት ንምግምጋም ዝዓለም ርክብ ምክያዶም ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያን ጅቡትን ኣብ 2013 ኣብ ዘካየድኦ ወትሃደራዊ ስምምዕ፣ ንኽልቲኤን ሃገራት ኣብ ዘገድስ ወትሃደራዊ ጉዳያት ሓባሬታ ክለዋወጣን ኣብ ዘድልየሉ ጉዳያት ድማ ሰራዊተን ብሓባር ክሰርሕን ዝብል ነጥብታት ዘጠቓለለ’ዩ።

 

ብፍላይ ኣብ ዶባ ክልቲኤን ሃገራት ብዛዕባ ክህሉ ዝኽእል ዘይሕጋዊ ናይ ኣጽዋርን ሰብን ምስግጋር ከምኡ ድማ ምስ ሽበራ ዝተኣሳሰ ምንቕስቓስ ንምግታእ፣ ሓብራዊ ወትሃደራዊ ስምምዕ ከምዘድሊ ክልቲኤን ሃገራት ይሰማምዓሉ።

ኢትዮጵያ ንጅቡቲ ወትሃደራዊ ስልጠናታት ክትህባ እንከላ፣ ክልቲኤን ሃገራት ድማ ሓያሎ ወትሃደራዊ ሓበሬታታት ከምዝተለዋወጣ’ውን እቲ ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ የመልክ።

ኢትዮጵያን ጅቡትን ኣብ ጉዳይ ኣገክግሎት ወደብን ካልእን ምስኡ ዝተኣሳሰረ ጉዳያትን ብዙሕ ዘየሰማምዕ ነጥብታት እኳ እንተለወን፣ ንዘለወን ጸገማት ብምፍታሕ ሓባራዊ ወትሃደራውይን ንግዳውን ስምምዓት ኣብ ምክያድ’የን ዝርከባ።

ኢትዮጵያ ኣቐዲማ’ውን ምስ ሱዳን ተመሳሳሊ ዕላማ ዘለዎ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ስምምዕ ከምዝኸተመት ይፍለጥ።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0