መጥቃዕቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ናይ ሶማል ይቕጽል

መጥቃዕቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ናይ ሶማል ይቕጽል

Radio Erena: 03 February 2019

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ናይ ሶማል እተካዪዶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ብዝለዓለ ናህሪ ትቕጽሎ ኣላ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓርቢ፣ ካብ ከተማ ሞቓድሾ 45 ኪሎሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ዓዲ ዝተኻየደ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ፣ 24 ኣባላት ኣልሸባብ ከምዝተቐትሉ፣ ወተሃደራዊ እዚ ‘ኣፍሪኮም’ ሓቢሩ።

ሰራዊት ኣመሪካ ብወገኑ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝኾነ ጉድኣት ከምዘየውረደ ድሕሪ ምሕባር፣ ንፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ንምሕጋዝ ኣመሪካ መጥቃዕታታ ክትቅጽል ሙዃና ኣፍሊጡ።

ክልተ ሰሙን ኣብ ዘይመለአ ግዜ ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ልዕሊ 50 ኣባላት ኣልሸባብ ከምዝተቐትሉ ዝዝከር’ዩ።

ብኻልእ ወገን፣ ኣብ ሞቓድሾ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ መዓስከር ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝተፈተነ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ ከምዝፈሸለ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣረጋጊጹ።

እቲ ኣብ ሚኒባዝ ዝዓይነታ መኪና ተጻዊዱ ዝነበረ ቦምባ፣ ሰራዊት ሶማል ብዝኸፈቱዎ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ዒላምኡ ከይበጸሐ ከምዝተፈንጀረ ተሓቢሩ። እንተኾነ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ሰላማውያን ሰባት ከቢድ ጉድኣት ከውርድ እንከሎ፣ ብውሑዱ ህይወት ልዕሊ 10 ሰባት ከምዝወሰደ ተገሊጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0