መዓስከር ኣለምዋጭ፣ ናብ ቀዳም ኣብ ዝውግሐ ለይቲ፣ ሓደ ቀሺ ዝርከቦም፡ ሸውዓተ ኤርትራውያን ብዕጡቓት ብሳንጃ ተወጊኦም

RADIO ERENA – Sunday, 07 July 2024

ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ዞባ ጎንደር፡ ከባቢ ዳባት ኣብ ዝርከብ መዓስከር ኣለምዋጭ፣ ናብ ቀዳም 06 ሓምለ 2024 ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፣ ሓደ ቀሺ ዝርከቦም፡ ሸውዓተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዕጡቓት፣ ብሳንጃ ተወጊኦም።

ልዕሊ ሸሞንተ ዝኾንኑ ዕጡቓት፣ ናብቲ መዓስከር ብክልተ መኣዝን ከምዝኣተዉ ንራድዮ ኤረና ዝሓበሩ ነበርቲ እቲ መዓስከር፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ህይወቶምን ንብረቶምን ንምድሓን፣ ኣብ ዝተጓይየይሉ እዋን’ዩ፣ ኣብ ካላሽን ብዝዕጠቕ ካራ ወይ ሳንጃ ክወግእዎም ዝጀመሩ።

ካብ ኩሉ ኩርናዓት ናይቲ መዓስከር ዝወሓዙ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ብኣውያት ናይ ርድኡና ጻውዒት ምስ ኣብዝሑ፣ እቶም ዕጡቓት ንላዕሊ ጠያይት እናተኮሱ ከምዝወጹ ‘ዮም እቶም ነበርቲ ሓቢሮም።

መንነት ናይቶም ዕጡቓት ዛጊት ብንጹር ክፍለጥ ኣይተኻእለን፡

ወኪል ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ፡ ነቶም ብሳንጃ ዝተወግኡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ህጹጽ ሕክምና ንክረኽቡን፣ ነቲ መዓስከር ቅልጡፍ ናይ ጸጥታ ሓለዋን ክእዝዘሉን ንዝቐረበሉ ጻውዒት፣ እዋናዊ ምላሽ ከምዘይሃበሉ እቶም ነበርቲ ወቒሶም።

ኣብቲ መዓስከር ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብዎም ኣስታት 15 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዓቝቦም እኳ እንተለዉ፣ ብዕጡቓት ብዝፍጸም ጭውያ፣ መቕተልቲን ዝምታን፣ ህይወቶምን ንብረቶም ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከምዝርከብ’ዮም ዝገልጹ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካቭስ ኢንተርነት

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0